ኣብ መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ ተሳትፎ ዜጋታት ንክጠናኸር ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ዝለዓለ እጃሞም ንምውፃእ እናተዳለዉ እዮም

ወላይታ ሶዶ/ጥሪ 5/2018(ኢዜኣ) ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ግንቦት ንዝካየድ መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ ተሳትፎ ዜጋታት ንክጠናኸር ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ዝለዓለ እጃሞም ንምውፃእ እናተዳለዉ ከምዝኾነ በዓል መዚ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኣፍሊጡ።
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ከይዲ እቲ ሓፈሻዊ መረፃ ነፃ፣ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ብዝኾነ መልክዑ ንምክያድ ካብ ሕዚ ጀሚሩ ምድላው እናገበረ እዩ ዝርከብ።
ኣብዚ ጉዳይ ተሳትፎ መረፃ ዜጋታት ንክጠናኸር ኣብ ምግባር ብፍላይ ድማ ምድላው ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ እንታይ ከምዝመስል ኢዜኣ ንዝምልከቶም ኣካላት ኣዘራሪቡ።
ምክትል ዳይሬክተር በዓል መዚ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ፋሲካው ሞላ፤ ቀንዲ መሰረት ከይዲ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ኣብ ዝኾነ ከይዲ መረፃ ጠንካራ ተሳትፎ ዜጋታት ኣድላይ እዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ ድማ ዜጋታት እኹል ግንዛበ ረኺቦም ኣብ ፍልጠት መሰረት ገይሮም መሰሎም ንክጥቀሙ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ስራሕ ምምሃርን ምርዳእን ትፅቢት ከምዝግበረሎም ተዛሪቦም።
ብመሰረት እዚ ድማ ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ግንቦት ንዝካየድ መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ ተሳትፎ ዜጋታት ንክጠናኸር ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ዝለዓለ እጃሞም ንምውፃእ እናተዳለዉ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ን54 ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ መረፃ ንምዕዛብ ከምኡ እውን እቲ ሕብረተሰብ ንምምሃር ፍቓድ ስለዝሃበ እቲ ምህዳር ኣስፊሑልና እዩ ዝበላ ተቀዳሚት ምክትል ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ክልል ኦሮሚያ ታደሉ እጀታ፤ ንሰላማዊ ከይዲ እቲ መረፃ እቲ ቤት ምኽሪ ሓላፍነቱ ንምውፃእ ከምዝተዳለወ ሓቢረን።



ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ክልል ሲዳማ ማስረሻ ክብረት ብግደኦም፤ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኣብ ከይዲ መረፃ ኣወንታዊ ኣስተዋፅኦ ንክህልዎም ምችው ኩነታት ከምዝተፈጠረ ሓቢሮም።
ብመሰረት እዚ ድማ ትካላት ሲቪል ማሕበራት እጃሞም ንምውፃእ ዘኽእል ምድላው ከምዘለዎም ተዛሪቦም።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም