ኢትዮጵያን ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን ተወዳዳሪት ንምግባር ዘኽእል ዓቕሚ እናተሃነፀ እዩ-ሚኒስትር ኣለሙ ስሜ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን ተወዳዳሪት ንምግባር ዘኽእል ዓቕሚ እናተሃነፀ እዩ-ሚኒስትር ኣለሙ ስሜ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 5/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን ተወዳዳሪት ንምግባር ዘኽእል ዓቕሚ እናተሃነፀ ከምዝኾነ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ(ዶ/ር) ተዛሪቦም።
በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ንክልተ ትካላት ፍቓድ ስራሕ ሂቡ።
እቲ በዓል መዚ፤ ኣብ ዓውዲ ፅገና ኣውሮፕላን ኣብ ውሽጢ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንዝተጣየሸን ንመንገዲ ኣየራት ውልቀ ፅገና ንዝህብ ትካልን እዩ ፍቓድ ስራሕ ሂቡ።
እቲ በዓል መዚ ብተመሳሳሊ ንኣገልግሎት ዓለም ለኸ ኣቪዬሽን ካርጎ ፍቓድ ስራሕ መሰልጠኒ ቤት ትምህርቲ ኣቪዬሽን ሂቡ።
ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ማእኸል ትራንስፖርት በረራ(ኣቪዬሽን) ንምግባር ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ለውጢ እናተወሰዱ እዮም።
በዚ ድማ ኣብቲ ዓውዲ ተወዳዳሪነት ኢትዮጵያ ዘዕቢ ዓቕሚ እናተሃነፀ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ኣብ ቀረባ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ህንፀቱ ብዕሊ ዘጀመርዎ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ተወሳኺ ዓቕሚ ዝፈጥር እዩ ኢሎም።
ሎሚ መዓልቲ ንክልቲኦም ትካላት ዝተውሃበ ፍቓድ ስራሕ እውን ኣብ ኢንዱስትሪ ኣቪዬሽን ዓብይ ትርጉም ከምዘለዎ ኣረዲኦም።
ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ዮሃንስ ኣበራ ብግደኦም፤ ነቶም ትካላት ዝተውሃበ ፍቓድ ኣድላይ ረቛሕታት ከምዘማልኡ ብምርግጋፅ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ስነ ስርዓት፤ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ(ዶ/ር)ን ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳን ሓዊሱ መዳርግቲ ኣካላት ተረኺቦም።