ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዘለዎም ታርጋታት ተሽከርከርቲ ኣብ ስራሕ ከውዕል እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 5/2018(ኢዜኣ) ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ሕዚ ዝጥቀመሉ ዘሎ ታርጋ ተሽከርከርቲ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ብዝሓዘ ሓዱሽ ታርጋ ከምዝቕይር ኣዛዚ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ኣፍሊጦም።
ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ግምገማ ኣፈፃፅማ ትልሚ 6 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ኣካይዱ።



ኣዛዚ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ፖሊስ ክሳብ ሕዚ ዝጥቀመሎም ዘለዉ ታርጋታት ተሽከርከርቲ ሙሉእ ብሙሉእ ብምቕያር ዘበናዊ ታርጋታት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ስራሕ ንምውዓል ምድላዉ ዛዚሙ እዩ።
እዚ ድማ እቲ ትካል ስራሕ ምክልኻልን ምርምርን ገበን ብዘበናዊ መንገዲ ንምምራሕ ካብ ዝጀመሮም ስራሕቲ ሪፎርም እቲ ሓደ እዩ ኢሎም።
እቲ ሓዱሽ ታርጋ ቁልፍታት ቴክኖሎጂ ዘለውዎ እንትኸውን ንፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ጥራሕ ዝውክል፣ ብቕዓት ሞያን ብርኪ ዲስፕሊንን እቲ ትካል ዘንፀባርቕ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
እቲ ሓዱሽ ታርጋ ኣብ ዝቕፅሉ ውሑዳት ሰሙናት ተሓቲሙ ብዕሊ ኣብ ረብሓ ከምዝውዕል እውን ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም