እቲ ሃገራዊ መረፃ ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ብዝኾነ መንገዲ ምክያድ ዘኽእል ምድላው ተገይሩ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ሃገራዊ መረፃ ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ብዝኾነ መንገዲ ምክያድ ዘኽእል ምድላው ተገይሩ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 5/2018(ኢዜኣ) መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ብዝኾነ መንገዲ ምክያድ ዘኽእል ምድላው ከምዝተገበረ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።
ሃገር ለኸ ሓባራዊ መድረኽ ምኽክር መውፃእቲ ሕጊ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ይካየድ ኣሎ።
እቲ ሓባራዊ መድረኽ ምኽክር ብመሰረት ስርዓት ርክብ መንግሥትታት ንምውሳን ዝወፀ ቁፅሪ ኣዋጅ 1231/2013 እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ሃገራዊ ሓባራዊ መድረኽ ምኽክር መውፃእቲ ሕጊ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ብምርግጋፅ ሓደ ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን ማሕበረሰብ ንምህናፅ ወሳኒ እዩ።
ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ መድረኽ እዋናውን ሃገራውን ጉዳያት ምስ መውፃእቲ ሕጊ ፌዴራልን ክልላትን ከምዝዝተየሎም ሓቢሮም።
ኣብ ምድላው መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃን እጃም ኣብያተ ምኽሪ፣ኣብ ሰነድ በጀት ፐብሊክን ትንተናን መፅናዕትን ፋይናንስን ከምኡ እውን ኣብ ሰነድ ኦዲት ሰነድ ምኽክር ከምዝግበር ተዛሪቦም።
መንግሥቲ መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ ምችው ኩነታት ንምፍጣር ቀረብ እታዎትን እጃምን ብዝምልከት ምኽክር ከምዝገበረ ኣረዲኦም።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ኣብያተ ምኽሪ ክልላትን ኣብዚ ዓመት ዝካየድ መረፃ ካብቲ ዝሓለፈ 6ይ መረፃ ብዝሓሸ ንክፍፀም ናይ ምትሕብባር እጃምና ብብቕዓት ክንዋፃእ ኣለና ኢሎም።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ብርክት ዝበሉ ሪፎርማት ከምዝገበረ ብምግላፅ፤ ስራሕቲ ክትትልን ቁፅፅርን፣ ውክልና ህዝቢ ብብቕዓት ምውፃእ ዘኽእል ስራሕ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ስለዝኾነ ድማ እቲ ቤት ምኽሪ ማእኸል ሕጊ ብምጥያሽ ዝወፁ ሕግታት ምስቲ ሕገ መንግሥቲ፣ ዓለም ለኸ ሕግታትን ቅድሚ ሕዚ ምስ ዝነበሩ ሃገራዊ ሕግታትን ዝተጠዓዓሙ ከምዝኾኑን ንተፈፃምነቶም ምክትታል ዘኽእል ኣሰራርሓ ከምዝተዘርገሐን ተዛሪቦም።
እቲ ሓባራዊ መድረኽ ምኽክር ሓባራዊ ተረኽ ምህናፅን ግልፅነት ምፍጣርን ዘኽእል ምህዳር ምርግጋፅ ከምዘኽእል እውን ወሲኾም ኣብራህሪሆም።