ጉዕዞ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ዘጠናኽሩ ዘደምሙ ዓወታት ልምዓት እናተመዝገቡ እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ጉዕዞ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ዘጠናኽሩ ዘደምሙ ዓወታት ልምዓት እናተመዝገቡ እዮም
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 4/2018(ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ጉዕዞ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ዘጠናኽሩ ዘደምሙ ዓወታት ልምዓት ከምዝተመዝገቡ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ፌዴሪኢ ገሊፁ።
ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ኣፈፃፅማ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት ኣመልኪቱ ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቡ።
እቲ መግለፂ ዝሃባ ሓላፊት ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ፌዴሪኢ ሚኒስትር እናትኣለም መለሰ ከምዝበልኦ፤ 2018 ዓ/ም ዓመተ ምንስርራእ ኢትዮጵያ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት ምንስርራእ ኢትዮጵያ ዘጠናኽሩ ዘደምሙ ዓወታት ልምዓት ምምዝጋቦም እውን ኣረዲኦም።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ ብዝሃ ዓውዲ ኢኮኖሚ ኣብ 2030 ንኢትዮጵያ መርኣያ ብልፅግና ኣፍሪካ ዝገብሩ ዓወታት ልምዓት እናተመዝገቡ ከምዝርከቡ ተዛሪበን።
ምጅማር ኣብ ምረቓ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ጉባ ዝተበሰሩ ፕሮጀክትታት እውን ኢትዮጵያ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ልምዓት ጀሚራ ምዝዛም ከምትኽእል ዘርእዩ እዮም ኢለን።
ምጅማር ስራሕ ህንፀት 110 ሚልዮን መንገደኛታት ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ዘለዎ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ምትእስሳር ንግዲ ንምስላጥ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ሓቢረን።
ሃገር ቦቆል መመሓሺ ኢኮኖሚ መንግሥቲ መደመር እውን ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዘለዉ ፀገማት ብምእራም ዕቤት ኢትዮጵያ ዘቀላጥፍ ውፅኢት ከምዘመዝገበ ኣብራህሪሀን።
ዓበይቲ ሃገራዊ ፕሮጀክትታት ብስራት ጉባ ኣብ ዝተሓሰበሎም እዋን ንምዝዛም ጠንካራ ክትትልን ደገፍን ከምዝግበር ገሊፀን።
ከተማታት ማእኸል ብልፅግና ንምግባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጀመረ ልምዓት ኮሪደርን ወሰና ወሰን ሩባን ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት በሰፊሑ እናተሰርሐሉ እዩ ኢለን።
ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ እውን ኣብ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን መድረኻት ተሳትፎ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓ ምሕላውን ድምፂ ኣፍሪካ ምዃንን ዘኽኣለ ዓወት ከምዝተመዝገበ ኣረዲአን።
ኣብ መንጎ ህዝብን መንግሥትን ዝተገበሩ መድረኻት እውን ኢትዮጵያ ዘመዝገበቶም ዓወት ልምዓት ኣፍልጦ ዝተውሃበሉ ከምዝኾነ ሓቢረን።
ኣብዚ ዓመት ዝካየዱ ሃገራዊ ምኽክርን ሃገራዊ መረፃን ብኣሳታፊ፣ሰላማውን ዲሞክራሲያውን መንገዲ ብዓወት ንምስላጥ መንግሥቲ ብቆራፅነት ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፀን።