ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ንዕዉትነት ስራሕቲ ልምዓት ዘበርክትዎ ኣስተዋፅኦ ክጠናኸር ኣለዎ

ወላይታ ሶዶ/ጥሪ 4/2018(ኢዜኣ) ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ንዕዉትነት ሃገራዊ ስራሕቲ ልምዓት ዘበርክትዎ ኣስተዋፅኦ ከጠናኽርዎ ከምዝግባእ በዓል መዚ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ገሊፁ።
መበል 14 ሓባራዊ ጉባኤ በዓል መዚ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን መዳርግቲ ኣካላት ፌዴራልን ክልላትን ኣብ ከተማ ወላይታ ሶዶ ተኻይዱ።
እቲ ሓባራዊ ጉባኤ፤ “ምትሕብባርን ምውዳድን ትካላት መንግስትን ሲቪል ማሕበረሰብን ንብራኸ ኢትዮጵያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ተኻይዱ።



ምክትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ፋሲካው ሞላ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቶም ትካላት ንሃገራዊ ልምዓትን ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ዘለዎም ዝለዓለ እጃም ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ።
ብፍላይ ድማ ንዕዉትነት ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ስራሕቲ ልምዓት ዘበርክትዎ ዘለዉ ኣስተዋፅኦ ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ከምዝግባእ ብምሕባር፤ ነዚ ድማ ምስ መንግሥቲ ብዝበለፀ ተቐራሪቦም ንክሰርሑ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ኣሰራርሓታት ናይ ምምዕባል ስራሕ ክሰርሕ እዩ ኢሎም።
ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ባዕሎም ንባዕሎም ዘመሓድርሉ ጠንከራ ስርዓት ንምዝርጋሕ እናተሰርሐ ከምዝፀንሐን ውፅኢት ከምዝተረኸበሉን እውን ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም