ሓባራዊ ተረኽ ንሓባራዊ ህንፀት ሃገረ መንግስትን ስግግር ወለዶን ርኡይ እጃም ኣለዎ-ፕሮፌሰር ባህሩ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 4/2018(ኢዜኣ) ሓባራዊ ተረኽ ንሓባራዊ ህንፀት ሃገረ መንግስትን ስግግር ወለዶን ርኡይ እጃም ከምዘለዎ ፕሮፌሰር ባህሩ ዘውዴ ገሊፆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ሓባራዊ ተረኻት ንምህናፅ ዝዓለመ ሃገራዊ ኮንፈረንስ ኣብ ከተማ ጅማ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ ኮንፈረንስ፤ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዋና ተፀዋዒ መንግሥቲ ሚኒስትር ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)፣ሚኒስትር መስኖን ከባብታት ቆላን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)፣ኣፈ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ሰዓዳ ኣብዱረህማን፣ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ክልል ኦሮሚያ ከፍያለው ተፈራ፣ካልኦት ኣመራርሓ ፌዴራልን ክልላትን ከምኡ እውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም።



ፍሉጥ ሙሁር ታሪኽ ፕሮፌሰር ባህሩ ዘውዴ ኣብቲ ኮንፈረንስ፤ “ህንፀት ሓባራዊ ተረኽን ፈተናታቱን”ብዝብል ርእሲ መበገሲ ፀሑፍ ኣቕሪቦም።
ኣብ ፅሑፎም እውን፤ ኢትዮጵያውያን ካብ ኣብ ኣፈላላይን ከፋፋሊ ተረኽን ኣብ ሓባራዊ ተረኽ ትኹረት ብምግባር ንህንፀት ፅኑዕ ሃገረ መንግሥቲ ብምትሕብባር ክሰርሑ ይግባእ አሎም።
ከፋፋልን ኣግላልን ተረኽ ንህንፀት ሃገረ መንግሥቲ ፈተንቲ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ሓድነትን ሕብረትን ዜጋታት ዘጠናኽር ሓባራዊ ተረኽ ምፍጣር ከምዘድሊ እውን ሓቢሮም።
ሙሁራን ታሪኽ ንህንፀት ሃገረ መንግሥትን ምቅርራብ ህዝብታትን ንክውዕል ናይ ምግባር ዓብይ ሓላፍነት ከምዘለዎም ተዛሪቦም።
ከይዲ ህንፀት ሓባራዊ ተረኽ ብዝሓሸ ልዕልና ሓሳብ ብምምራሕ ዝሓሸትን ዘተኣሳስር ተረኽ ዝዓሰላን ኢትዮጵያ ናብ ወለዶ ምትሕልላፍ ከምዝግባእ ኣረዲኦም።
ህንፀት ሓባራዊ ተረኽ ንህንፀት ጠንካራ ሃገረ መንግስትን ስግግር ዝሓሸ ወለዶን ርኡይ እጃም ከምዝህልዎ እውን ኣብራህሪሆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም