መንግሥቲ ንዓውዲ ጥበባት ባህልን ስፖርትን ብዝሃቦ ፍሉይ ትኹረት ዕዉታት ስራሕቲ ምስራሕ ተኻኢሉ እዩ-ሚኒስትር ሸዊት ሻንካ - ኢዜአ ትግርኛ
መንግሥቲ ንዓውዲ ጥበባት ባህልን ስፖርትን ብዝሃቦ ፍሉይ ትኹረት ዕዉታት ስራሕቲ ምስራሕ ተኻኢሉ እዩ-ሚኒስትር ሸዊት ሻንካ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 4/2018 (ኢዜኣ) መንግሥቲ ንዓውዲ ጥበባት ባህልን ስፖርትን ብዝሃቦ ፍሉይ ትኹረት ዕዉታት ስራሕቲ ምስራሕ ከምዝተኽኣለ ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ ተዛሪበን።
ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን “እምርታ ባህሊ፣ጥበባትን ስፖርትን ንብራኸ ኢትዮጵያ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ጉባኤ ኣፈፃፅማ 6 ኣዋርሕ ሴክተር የካይድ ኣሎ።
እተን ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ኣብ ዓውዲ ጥበባት ባህልን ስፖርትን ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ልዑል ዓወት ተመዝጊቡ እዩ።
መንግሥቲ ንልምዓት ስፖርት ብዝሃቦ ፍሉይ ትኹረት ውድድራት ብምጥንኻርን ነባር ፖሊሲ ስፖርት ብምምሕያሽን ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ዝሓሸ ውፅኢት ምምዝጋብ ከምዝተኽኣለ ገሊፀን።
ብመዳይ ዓውዲ ጥበባት ምስሊ ኢትዮጵያ ኣጉሊሆም ዘርእዩ ስራሕቲ ጥበብ ዝተሰርሕሉን ዓበይቲ ኮንፈረንሳትን መድረኻትን ዝተኻድሉን እዩ ኢለን።
በዓላት ኣደባባይን ህዝብን ብምጥቃም ምትእስሳር ህዝቢ ንህዝቢ ዝተፈጠረሉ፣ፕሮፋይል ቋንቋን በዓላትን ዝተሰደሉ፣ስራሕቲ መፅናዕትን ምርምርን ምስ ባህልን ቋንቋን ዝተሳለጥሉ ከምዝኾነ ኣረዲአን።