ኣብዚ ፈላማይ ፍርቂ ዓመት 4 ነጥቢ 854 ሽሕ ቶን ፍርያት ልምዓት ሻሂ ተኣኪቡ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብዚ ፈላማይ ፍርቂ ዓመት 4 ነጥቢ 854 ሽሕ ቶን ፍርያት ልምዓት ሻሂ ተኣኪቡ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 4/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ፈላማይ ፍርቂ ዓመት እዚ በጀት ዓመት ብሰብ ሃፍትን ሓረስቶትን ካብ ዝለምዐ ልምዓት ሻሂ 4 ነጥቢ 854 ሽሕ ቶን ፍርያት ከምዝተኣከበ በዓል መዚ ሻሂን ቡንን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ በዓል መዚ መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ልምዓት ቡን፣ሻሂን ቅመማ ቅመምን ኣይተ ፍቃዱ ደፈረስ፤ ብሰብ ሃፍትን ሓረስቶትን 6 ሽሕን 396 ሄክታር ብልምዓት ሻሂ ከምዝተሸፈነ ንኢዜኣ ተዛሪቦም።
ብሓፈሻ ካብ ዝለምዐ ኣብዚ ሕዚ እዋን ፍርያት ዝህብ 4 ሽሕን 936 ሄክታር ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ካብዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት 4 ነጥቢ 854 ሽሕ ቶን ፍርያት ልምዓት ሻሂ ከምዝተኣከበ ኣረዲኦም።
ብመሰረት ክሳብ ሕዚ ዘሎ ሓበሬታ ኣብ ኢትዮጵያ ንልምዓት ቆፅሊ ሻሂ ዝስማዕማዕን ምችው ዝኾነን ልዕሊ 6 ሚልዮን ሄክታር መሬት ከምዘሎ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ ኣብቲ ዓውዲ ዝሓሸ ንምስራሕ መንግሥቲ ትኹረት ከምዝሃበ እውን ኣፍሊጦም።