ሰላምን ድሕንነትን ሃገር ኣብ ምሕላውን ገበን ኣብ ምክልኻልን ውፅኢታዊ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም-ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ - ኢዜአ ትግርኛ
ሰላምን ድሕንነትን ሃገር ኣብ ምሕላውን ገበን ኣብ ምክልኻልን ውፅኢታዊ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም-ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 4/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ሰላምን ድሕንነትን ህዝብን ሃገር ኣብ ምሕላው ከምኡ እውን ገበን ኣብ ምክልኻል ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ኣዛዚ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ገሊፆም።
ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ግምገማ ኣፈፃፅማ ትልሚ 6 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ዓ/ም የካይድ ኣሎ።
ኣዛዚ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ኣብዚ እዋን፤ ፖሊስ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምዘሳለጠ ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ድማ ምስ ካልኦት ኣካላት ፀጥታ ፌዴራልን ክልላትን ብምትሕብባር ሰላምን ድሕንነትን ህዝብን ሃገርን ብኩለ መዳያዊ መልክዑ ምርግጋፅ ተኻኢሉ እዩ ኢሎም።
ኣብ ምክልኻል ገበን፣ምርመራ ገበን፣ልምዓት ሓይሊ ሰብ፣ዓቕሚ ሎጂስቲክስን ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጅን ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ሓቢሮም።
ምንቅስቓስ ጉጅለታት ግብረ ራዕዲ ኣብ ምቁፅፃርን ልዕልነት ሕጊ ኣብ ምኽባርን እውን ዕዉታት ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ኣረዲኦም።
ፖሊስ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ልዕሊ 14 ቢልዮን ብር ዝግመቱ ናውቲ ኮንትሮባንድ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ብምግላፅ፤ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን መዐወኒ እፅታትን ብዝተዋደደ መልክዑ ንምቁፅፃር ውፅኢታዊ ስጉምትታት ከምዝተወሰዱ ኣብራህሪሆም።
ኣገልግሎት ፖሊስ ብቴክኖሎጂ ዝማዕበለ ናይ ምግባር ስራሕ ከምዝተጠናኸረ ብምሕባር፤ ኣብ ቀረባ መዓልትታት ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ስማርት ፖሊስ ጣብያ ናብ ስራሕ ከምዝኣትው ተዛሪቦም።