ማይ ንኣፍሪካ ጉዳይ ህልውና እዩ-መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ - ኢዜአ ትግርኛ
ማይ ንኣፍሪካ ጉዳይ ህልውና እዩ-መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 4/2018 (ኢዜኣ) ማይ ንኹሉ ዝነክእ ኣህጉራዊ ጉዳይ ህልውና ከምዝኾነ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ገሊፆም።
መበል 51 ስሩዕ ኣኼባ ኮሚቴ ቀወምቲ ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪካ (PRC) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
እቲ ኣኼባ”ምርግጋፅ ዘላቒ ቀረብ ማይን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ስርዓት ኣተሓላልዋ ፅሬትን፤ ንዕዉትነት ሽቶታት ኣጀንዳ 2063”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሕብረት ኣፍሪካ ብዘዳለዎ መሪሕ ሓሳብ 2026 እዩ ዝሳለጥ ዘሎ።
ኣብቲ ኣኼባ፤ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ምክትል ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ሳልማ ማሊካ ሃዳዲ፣ኣመራርሓ ሕብረት ኣፍሪካን ትካላት እቲ ሕብረትን፣ ኣምባሳደራትን ዲፕሎማትን ሃገራት ኣባል እቲ ሕብረት ተረኺቦም።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብዚ እዋን፤ ናይዚ ዓመት ትኹረት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ማይ ዝጠመተ እዩ ኢሎም።
ማይ ብኹሉ ዓይነት ኣዝዩ ወሳኒ ዝኾነ ሃፍትን ጉዳይ ህልውናን ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቶም ኣህጉራዊ ሽቶታት ንምዕዋት ቀልፊ እጃም ከምዘለዎ ተዛሪቦም።
ኣብ ብራዚል ቤለም ኣብ ዝተኻየደ መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት (ኮፕ 30) ትኹረት ካብ ዝተውሃቦም ኣጀንዳታት ማይ እቲ ሓደ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ኣብ ተዳልዎ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኮፕ 32) ማይ እቲ ሓደ ኣጀንዳ ከምዝኸውን ብምሕባር፤ እቲ ሕብረት ንዕዉትነት ኮፕ 32 ኣድላይ ደገፍ ከምዝገብር ሓቢሮም።
ሕብረት ኣፍሪካ ንትካላዊ ሪፎርምን ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳርን ሓዊሱ ንኣህጉራዊ ኣጀንዳታት እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ገሊፆም።