ሓባራዊ ተረኽ ምህናፅ ንህንፀት ሃገረ መንግሥትን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ወሳኒ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ሓባራዊ ተረኽ ምህናፅ ንህንፀት ሃገረ መንግሥትን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ወሳኒ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 4/2018 (ኢዜኣ) ሓባራዊ ተረኽ ምህናፅ ንህንፀት ሃገረ መንግሥትን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ወሳኒ ከምዝኾነ ሚኒስትር ሰላም መሓመድ እድሪስ ገሊፆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ሓባራዊ ተረኻት ንምህናፅ ዝዓለመ ሃገራዊ ኮንፈረንስ ኣብ ከተማ ጅማ ይካየድ ኣሎ።
ሚኒስትር ሰላም መሓመድ እድሪስ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ሓባራዊ ተረኽ ዘለዉ ፀገማት ዘተዓርቕን ኣብ ውሽጢ ብዝሃነት ዘለዉ ፀጋታት ሓድነት ዘጠናኽርን እዩ።
ሓባራዊ ተረኽ ምህናፅ ንህንፀት ሃገረ መንግሥትን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ወሳኒ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ከፋፈልቲ ተረኻትን ኣተሓሳስባታትን ምውጋድ ይግባእ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ብሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ናብ ልዕልና ጉዕዞ ከምዝጀመረት ብምግላፅ፤ እዚ ወለዶ ብሓባራዊ ተረኽ ምቕራፅ ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።
ነዚ ድማ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ዘተኣሳስር ተረኽ ንምህናፅ ተዋዲዶም ክሰርሑ ከምዘለዎም ኣረዲኦም።
ብሄራዊ ምርድዳእ ንምጥንኻር ሕዚ እቲ ትኽክለኛ እዋን ሕዚ እዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ ከይዲ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ብኣግባቡ ብምጥቃምን ሓሳብካ ብዝሰልጠነ መንገዲ ብምቕራብን ንውፅኢታውነቱ ምርብራብ ከምዝግባእ ሓቢሮም።
ኣብቲ ኮንፈረንስ፤ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዋና ተፀዋዒ መንግሥቲ ሚኒስትር ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)፣ሚኒስትር መስኖን ከባብታት ቆላን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)፣ኣፈ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ሰዓዳ ኣብዱረህማን፣ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ክልል ኦሮሚያ ከፍያለው ተፈራ፣ካልኦት ኣመራርሓ ፌዴራልን ክልላትን ከምኡ እውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም።