መንገዲ ኣየርና ኣፍሪካ ኣብ ምትእስሳር ንዘለዎ ኣስተዋፅኦ ዘፅንዕ ሓዱሽ ምዕራፍ ጀሚሩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 2/2018 (ኢዜኣ) መንገዲ ኣየርና ኣፍሪካ ኣብ ምትእስሳር 80 ዓመታት ንዝዘለቐ ኣስተዋፅኡኡ ዘፅንዕ ሓዱሽ ምዕራፍ ጀሚሩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ቀዳማይ ሚኒስትርና ኣብ ጉባ ካብ ዘበሰርዎም ሜጋ ፕሮጀክትታት እቲ ሓደ ዝኾነን ኣብ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየን ህንፀት መዕርፎ ነፈርቲ ሎሚ ኣብ ቢሾፍቱ ኣጀሚርና ኢሎም።



መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቅድሚ 8 ዓሰርተ ዓመታት ብውሑዳት ኣውሮፕላናት ጉዕዞ ከምዝጀመረ ብምግላፅ፤ ዕላምኡ ንኢትዮጵያ ምስ ዓለም ምርኻብ ጥራሕ ከምዘይነበረን ክብሪ ኣፍሪካ ንምብራኽ እውን ከምዝነበረን ኣብራህሪሆም።
ብዓመት ክሳብ 110 ሚልዮን መንገደኛታት ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ዝፈጥር እዚ ሓዱሽ መዕርፎ ነፈርቲ ታሪኽ ኩርዓትና ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዘሰጋግር መርኣያ ግልፂ ራእን ጉዕዞ ብልፅግናን ኢትዮጵያ እዩ ኢሎም።
ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነት መንገዲ ኣየርና ብዝበለፀ ዘዕቢ እዚ ፕሮጀክት ልዑል ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ረብሓ ከምዘለዎ ዝገለፁ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ መንገዲ ኣየር ዋና በሪ ናብ ኣፍሪካ መእተውን መውፅእን ኮይኑ ከምዝቕፅል እውን ኣረጋጊፆም።
ኢትዮጵያን መርኣያ ብልፅግና ኣፍሪካ ናይ ምግባር ጉዕዞ ቅልጣፈን ፈጠራን ኣብ ኩሎም ዓውድታት ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም