ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ጭቡጥ ውፅኢት እናተረኸበሎም እዩ

ሰመራ/ጥሪ 2/2018(ኢዜኣ) ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ጭቡጥ ውፅኢት እናተረኸበሎም ከምዝኾነ ሓላፊ ዘፈር ኣወዳድባ ፓርቲ ብልፅግና ፍቃዱ ተሰማ ገሊፆም።
“ጠንካራ ኣወዳድባ ንጠንካራ ፓርቲ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ግምገማ ኣፈፃፅማ 6 ኣዋርሕ 2018ን ቀፃሊ ኣንፈትን ዘፈር ኣወዳድባ ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ዝጠመተ መድረኽ ኣብ ከተማ ሰመራ ይካየድ ኣሎ።



እቲ መድረኽ ዘጀመሩ ሓላፊ ዘፈር ኣወዳድባ ፓርቲ ብልፅግና ፍቃዱ ተሰማ ከምዝበልዎ፤ እቲ ፓርቲ ብልፅግና ኢትዮጵያ ዘረጋግፁ ስራሕቲ ልምዓት እናሳለጠ እዩ ዝርከብ።
ኣብቶም ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት እውን ብልፅግና ዘይተርፍ ምዃኑ እናተረጋገፀ ከምዝመፀ ብምሕባር፤ ካብዚኣቶም እቲ ሓደ ድማ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ እዩ ኢሎም።
ፍርቂ ዓመት እዚ በጀት ዓመት እውን ሃገር ናብ ብራኸ ዘሰጋገሩ ካልኦት ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ዝተፈፀሙሉን ዕላዊ ዝተገበርሉን ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ብሓፈሻ ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ጭቡጥ ውፅኢት እናተረኸበሎም ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ክልል ዓፋር መሐመድ ሁሴን ብግደኦም፤ እቲ ፓርቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንኹሉ ማዕረ ተሳታፍን ተረባሕን ከምዝገበረ ገሊፆም።



ኣብቲ ክልል እውን ቅድሚ ሕዚ ዘይተለመዱ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ልምዓት ግብርና እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ኣብ ከተማ ሰመራ ዝተሳለጠ ልምዓት ኮሪደር እታ ከተማ ንነበርታ ንፅህትን ምችውትን ምግባር ኣኽኢልዋ እዩ ኢሎም።
ኣብቲ ክልል ብፍላይ ድማ ካብ ተመፅዋታይነት ናብ መፍረያይነት ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ተስፋ ዝህቡ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም ዝበሉ ድማ ሓላፊ ዘፈር ኣወዳድባ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ክልል ዓፋር ወልኦ ኣይትሌ እዮም።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም