ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንህንፀት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ኣጀሚሮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንህንፀት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ኣጀሚሮም
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 2/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንህንፀት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ሎሚ ብዕሊ ኣጀሚሮም።
ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ፤ ኢትዮጵያ ንዕቑር ዓቕማን ዓብይ ራእያን ዝምጥን ካሊእ ሜጋ ፕሮጀክት ጀሚራ ክብል ገሊፁ።
ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ኣብ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ መሰረተ ልምዓት ትራንስፖርት ኣየር ከምዝኸውን ኣመላኺቱ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግሥቲ ብምዃን ህንፀቲ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዕላዊ ብዝኾነ መርሃ ግብሪ ሎሚ መዓልቲ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ከምዘጀመሩ እውን ኣፍሊጡ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ኣብ ዝገበርዎ መደረ፤ ኢትዮጵያ ናብ ዘበናውነትን ብልፅግናን እትገብሮ ጉዕዞ ሓደ ስጉሚ እዩ ብምባል ከምዝተዛረቡ ሓቢሩ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን ፍልፍል ኩርዓት ሃገር ከምዝኾን ብምሕባር፤ እዚ ዝኾነ ግና ብዘይ ዕንቅፋት ስለዝተጉዓዘ ዘይኮነስ ፅንዓት ብዝተመልኦ ዕንቅፋታት ናይ ምስጋር ዓቕሚ ስለዘለዎ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
እቲ ዝዓበየ ጥንካረ እቲ መንገዲ ኣየር ካብ ጠንካራ ትካላዊ ባህሉ ከምዝፍልፍል እውን ተዛሪቦም።
ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ደቡብ ምብራቕ ኣብ 40 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ኣብ 1910 ብራኸ እትርከብ ቢሾፍቱ ንኣውሮፕላናት ምችው ከባቢ ከምኡ እውን ንኢትዮጵያ መባፅሒ ንዝገብሩ ይኹን ንምችው ኣቀባብላ ትራንዚት መንገደኛታት ምችውቲ ከምዝገብራ እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ።
እቲ ፕሮጀክት በዝሒ ዘለዎም መስመራት ተሽከርከርቲ ዝሓዘ ንኣዲስ ኣበባ ምስቲ ሓዱሽ መዕርፎ ነፈርቲ ዘራኽብ ህንፀት ዘበናዊ መንገዲ ዝሓቖፈ እንትኸውን ኣብ ሰዓት ካብ 120 - 200 ኪሎ ሜትራት ፍጥነት ዘለዎ ህንፀት ስርዓትን ሃዲድን ባቡር ልዑል ፍጥነት ዘካተተ እዩ ኢሉ።
እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ስራሕ መዕርፎ ነፈርቲ ብዓመት 60 ሚልዮን መንገደኛታት ዘተኣናግድ እንትኸውን፤ እንትዛዘም እውን ኣብ ዓመት 110 ሚልዮን መንገደኛታት ዘተኣናግድ እዩ።
እዚ ድማ ንኢትዮጵያ ካብ ግንባር ቀደም መናሃርያ ትራንስፖርት ኣየር ዓለም እታ ሓንቲ ከምዝገብራ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ።