ጠንካራ ስርዓት ቁፅፅር ጥዕና ብምፍጣር ድሕንነቱን ፈውስነቱን ዝተረጋገፀ ኣገልግሎት ምግቢ፣መድሓኒትን ጥዕናን እናተውሃበ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 2/2018(ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ጠንካራ ስርዓት ቁፅፅር ጥዕና ብምፍጣር ድሕንነቱን ፈውስነቱን ዝተረጋገፀ ኣገልግሎት ምግቢ፣መድሓኒትን ጥዕናን እናተውሃበ ከምዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ፍሬህይወት ኣበበ ገሊፀን።
ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ቁፅፅር ጥዕና ምጥንኻር ዘኽእል መድረኽ ምኽክር መዳርግቲ ኣካላት ይካየድ ኣሎ።
እቲ መድረኽ፤ “ጠንካራ ቁፅፅር ጥዕና ንጠንካራ ስርዓት ጥዕና”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ዝካየድ ዘሎ።



ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ፍሬህይወት ኣበበ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ከም ሃገር ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ እቲ ሓደ መርኣያ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ምክልኻል መሰረት ብዝገበረ ፖሊሲ ጥዕና ኣብ ጥዕናን ድሕንነትን ዜጋታት ኣወንታዊ እጃም ምምዝጋብ ከምዝተኽኣለ ሓቢረን።
እዚ ድማ ፅሬት ፖሊሲ ጥዕናን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ኣገልግሎት ሕክምናን ምሃብ፣ፅሬትን ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነትን ፍርያታት ውሽጢ ሃገር ምዕባይ ብዘኽእል ኩነታት ንክመሓየሽ ከምዝተገበረ ተዛሪበን።
ስለዝኾነ ድማ ቅድሚ 4 ዓመት 8 ሚኢታዊ ጥራሕ ዝነበረ ሽፋን ቀረብ መድሓኒት ውሽጢ ሃገር ናብ 60 ሚኢታዊ ምዕባይ ከምዝተኽኣለ ኣረዲአን።
ኣብ ፖሊሲ ጥዕና፣ስትራቴጂን ሕግታትን ጥዕና ጠንካራ ስርዓት ቁፅፅር ጥዕና ብምፍጣር ድሕንነቱን ፈውስነቱን ዝተረጋገፀ ኣገልግሎት ምግቢ፣መድሓኒትን ጥዕናን እናተውሃበ ከምዝኾነ ገሊፀን።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓመታት 260 ሽሕ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ብብቕዓት ሰልጢኖም ከምዝተመረቑን ስርዓት ቁፅፅር ጥዕና ንምጥንኻር ሃናፂ እጃም ከምዘለዎምን ተዛሪበን።
ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘሎ ቁፅፅር ብምጥንኻር ጠንካራ ስርዓት ጥዕና ምህናፅ ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ትካላት ምዕባይን ዲጂታል ኣሰራርሓ ኣብ ኩሎም ከባብታት ተበፃሒ ምግባርን ይግባእ ኢለን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም