ኣብ ኢትዮጵያ ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ንምቕናስ ዝተወሰዱ ስጉምትታት ፖሊሲ ጭቡጥ ውፅኢት ተረኺብሎም እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ኢትዮጵያ ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ንምቕናስ ዝተወሰዱ ስጉምትታት ፖሊሲ ጭቡጥ ውፅኢት ተረኺብሎም እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 1/2018(ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ንምቕናስ ዝተወሰዱ ስጉምትታት ፖሊሲ ጭቡጥ ውፅኢት ከምዝተረኸበሎም ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ገሊፀን።
እተን ሚኒስትር ኣብ ወርሒ ጥሪ ንዝኽበር “ወርሒ ጥዕና ዘለዎ ኣዶነት” ኣመልኪተን መግለፂ ሂበን።
ኣብ መግለፂአን እውን፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ምስ ወሊድ ተኣሳሲሩ ዘጋጥም ፀገምን ሞትን ጥዕና ንምቕናስ ብዝተገበረ ርብርብ ቁፅሪ ኣብ ትካላት ጥዕና ዝወልዳ ኣዴታት ከምዝወሰኸ ሓቢረን።
ኣብ ጥዕና ጣብያታት ኣገልግሎት መጥባሕቲ ከምዝተጀመረን ለውጢ ከምዘምፀአን ብምግላፅ፤ ምስፍሕፋሕ ተበፃሕነት ትካላት ጥዕና እውን ንክትትል ቅድመ ወሊድ ከምዘዕበዮ ኣረዲአን።
ድሕሪ ወሊድ ዘጋጥም ምፍሳስ ደም ኣብ ምክልኻል እውን እጃምን ቁፅርን ወለንታውያን ለገስቲ ደም ከምዝዓበየ ተዛሪበን።
ክሳብ ሕዚ ዝተረኸቡ ውፅኢታት ዝተባብዑ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ዝሓሹ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ክሳለጡ እዮም ኢለን።
ጥዕና ዘለዎ ኣዶነት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ እዋን ጥንሲ፣ወሊድን ድሕሪ ወሊድን ዝህልዋ ኩለ መዳያዊ ጥዕና ማለት እዩ ክብላ ተዛሪበን።
“ወርሒ ጥዕና ዘለዎ ኣዶነት” እዚ ዓመት ብብርኪ ዓለም ንመበል 39 ብብርኪ ኢትዮጵያ ድማ ንመበል 20 “ፈጠራን ዘላቒ ፋይናንስን ንጥዕና ዘለዎ ኣዶነት”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ምጭባጥ ግንዛበ ክኽበር እዩ።