ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ንምጥንኻር ቆራፅ እያ-ሚኒስትር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 30/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ምስ ቻይና ዘሎ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ቆራፅ እያ ክብሉ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ቻይና ዋንግ ዪ ዘትዮም።
ኣብ ዘተኦም እውን፤ ኢትዮጵያ ምስ ቻይና ዘለዋ ጠንካራን ብኩነታት ዘይለዋወጥን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ኣልዒሎም ዘትዮም።



ሚኒስትር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር)፤ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናይ ነዊሕ እዋን ምሕዝነት፣ ምትሕብባርን ኣብ ሓባራዊ ምክብባር መሰረት ዝገበረን ከምዝኾነ ገሊፆም።
ቻይና ንልምዓት ኢትዮጵያ ትገብሮ ዘላ ደገፍ ብምንኣድ፤ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘለዋ ቆራፅነት ኣረጋጊፆም።
ቻይና ንዘቕረበቶ ኢንሼቲቭ ሰላምን ልምዓትን ቀርኒ ኣፍሪካ ትኹረት ብምሃብ ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ፀገማት ድሕንነት፣ ልምዓትን ምምሕዳርን ንምፍታሕ ዘለዎ ረብሓ ምግላፆም ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ የመላኽት።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ቻይና ዋንግ ዪ ብግደኦም፤ ናብ ኣፍሪካ ዝገበርዎ ዑደት ኣብ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2026 ናብ ወፃኢ ዝገበርዎ ፈላማይ ጉዕዞኦም ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ፈላመይቲ መባፅሒቶም ከምዝኾነት ተዛሪቦም።
እዚ ድማ ቻይና ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ዘላቒ ምሕዝነትን ኢትዮጵያ ድማ ቀንዲ ስትራቴጂካዊ መሓዛ ምዃናን ከምዘርኢ ኣረዲኦም።
ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ኩሉ ዓይነት ምሕዝነት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘለዋ ቆራፅነት እውን እቶም ሚኒስትር ኣረጋጊፆም።
ክልቲኦም ሚኒስትራት ኣብ ክልቲኣዊ፣ ዞባውን ኩለ መዳያውን መድረኻት ርክብ ስትራቴጂካዊ ምውዳድ ንምጥንኻር ተስማዕሚዖም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም