ምትሕብባር ቻይና-ኣፍሪካ ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ መፂኡ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ምትሕብባር ቻይና-ኣፍሪካ ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ መፂኡ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 30/2018(ኢዜኣ) ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ምስ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ቻይና ዋንግ ዪ ዘትዮም።
እቲ ዘተ እናዓበየ ዝመፀ ምትሕብባር ቻይና-ኣፍሪካ ንምጥንኻር ዝዓለመ እዩ።
ቻይና ሓቃዊት መሓዛ ኣፍሪካ ከምዝኾነት ዝገለፁ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ቻይና፤ ኣብ ሓባራዊ ተረባሕነት ዝጠመተ ፖሊሲ ጠንካራ ምሕዝነት ንክፍጠር ከምዘኽኣለ ሓቢሮም።
ርክብ ቻይናን ኣፍሪካን ኣብ ዝተፈላለዩ ማዕቐፋት ምትሕብባር እናዓበየ ምምፅኡ እውን ተዛሪቦም።
ድሕሪ እቲ ዘተ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ፤ ክልቲኦም ወገናት መሰልን ረብሓን ሃገራት ደቡባዊ ዞባ ዓለም (Global South) ንምኽባር፣ ክብሪ ልኣላዊነት ንምሕላውን ዓለም ለኸ ጎንፅታት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕን ብሓባር ንምስራሕ ምስምዕምዖም ኣፍሊጦም።
ኣብቲ ዘተ፤ ትልሚ ልምዓት 5 ዓመት ቻይና ምስ ትግበራ ካልኣይ 10 ዓመት ኣጀንዳ 2063 ሕብረት ኣፍሪካ ብምጥዕዓም ዘበናዊነት ንምምፃእ ኣብ ዝከኣለሎም መንገድታት ከምዝተዘተየ ኣረዲኦም።
ብመሰረት እዚ ስምምዓት ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ (AfCFTA) ሓዊሱ ቻይና ዘቕረበቶም ዓለም ለኸ ተበግሶታት ድሕንነትን ልምዓትን ብሓባር ንምድጋፍ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ገሊፆም።
ብተወሳኺ እውን እቶም ዝተፈረሙ ስምምዓት ምትሕብባር ተግባራዊ ኣብ ምግባርን ልውውጥ ንግዲ ኣብ ምዕባይን ዘለዎም ቆራፅነት ኣብቲ ሓባራዊ መግለፂኦም ኣረጋጊፆም።