ኣብ ክልል ትግራይ ከይዲ ምኽክር ብእዋኑ ንኽካየድ ግደ መዳርግቲ ኣካላት … 

ኣዲስ ኣበባ/ ታሕሳስ/30/ 2018 (ኢዜኣ) ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ከይዲ ምኽክር ብእዋኑ ንኽካየድ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ክሰርሑ ይግባእ ኢሉ።
ኣቐባሊ ቃል እቲ ኮሚሽን ጥበቡ ታደሰ ከምዝበሉዎ፤ ኣብ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ክልል ትግራይ ብምክታት ትርጉም ዘለዎ ተሳትፎ ክህሉ ንምግባር ዝውገኑ ፃዕሪታት ተጠናኺሮም ቀፂሎም።
ነዚ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ጉጅለ ልኡኽ እቲ ኮሚሽን ናብ መቐለ ተጓዒዙ ምስ ዝምልከቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን መዳርግቲ ኣካላትን ብምዝታይ ኣብቲ ክልል ከይዲ ዘተ ንምጅማር ዘኽእል ልዝብ ምግባሩ ኣዘኻኺሮም።
እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ምስቲ ኮሚሽን ተዋዲዶም ንኽሰርሑ ምስ ዝተመደቡ ሰባት መካተቲን ኣሳታፍነት ንምርግጋፅን ዘኽእሉ ሜላታት ምፅናዕን ምኽረ ሓሳባት ምትእኽኻብን እናተገበረ ከምዝርከብ እውን ተዛሪቦም። 
እቶም ምኽረ ሓሳባት ናብቲ ኮሚሽን ቀሪቦም ብምፅዳቕ ናብ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ንምእታው ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ከይዲ ዘተ ውፅኢታዊ ክገብሩ ኣብ ዝኽእሉ ሜላታት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ምርድዳእ ከምዝሓትት ኣልዒሎም። 
ኣብ ኣድላይነት እቲ ምኽክር ሕብረተሰብ ዘለዎ ድሌት ዝገለፀሉ ኩነታት ከምዘሎ ብምሕባር፤ ሕዚ እውን ዝተወሰኑ ማሕለኻታት ከምዘለዉ ኣመልኪቶም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ተሳተፍቲ ንምፍላይን ናብ ኣጀንዳ ምትእኽኻብ ንምእታውን ኣብ ቁልፊ ጉዳያት ኣብ ምርድዳእ ንምብፃሕን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ናብ ባይታ ንምውራድ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኣብ መጀመርታ መዓልቲታት ወርሒ ጥሪ ኣብቲ ክልል ምፍላይ ተሳተፍቲን ከይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ንምውጋን ትልሚ ከምዝተትሓዘ ብምሕባር፤ እቲ ትልሚ ንምትግባር ኣብቲ ክልል ዝርከቡ መዳርግቲ ኣካላት እጃሞም ክዋፅኡ ይግባእ ኢሎም ክብል ፋና ዲጂታል ፀብፂቡ ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም