ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ኩለ መዳያዊ ጉዳያት ርክበን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘትየን

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 30/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ርክበን ብዝበለፀ ኣጠናኺረን ምቕፃል ኣብ ዝኽእላሉ ኩነታት ምዝታየን ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣህመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ንሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ቻይና ዋንግ ይ ተቐቢለ ብፅንዓት ኣብ ዝጎዓዝ ርክብ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያን ቻይናን ዘቲና ኢሎም።



ኢትዮጵያን ቻይናን ን10ታት ዓመታት ዝዘለቐ ጠንካራ ርክብ ከምዘለወን እውን ሓቢሮም።
እዚ ርክብ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ብኩነታት ዘይለዋወጥ ስትራቴጂክ ምትሕብባር ከምዝዓበየ ኣፍሊጦም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ምትሕብባር ልምዓት ንምስላጥ ዘለና ፅኑዕ ቅዋም ኣብ ምቕፃል ዘቲና ኢሎም።
ኣብ ኢኮኖሚ፣ንግዲ፣መሰረተ ልምዓት፣ ቀረብ ሓይልን ትራንስፖርትን ከምኡ እውን ኣብ ሓደሽቲ ዝፍጠሩ ዘለዉ ከም ኢ-ኮሜርስ፣ዲጂታል ኢኮኖሚ፣ሰብ ስራሕ ብልሕን ሓምለዋይ ልምዓት ሓይልን ዘለና ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘቲና ክብሉ እውን ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም