ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንክልተ መዓልቲ ዕላዊ ዑደት ንምግባር ናብ ኢትዮጵያ ንዝመፁ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ቻይና ዋንግ ይን ኣብ ብሔራዊ ቤተ መንግሥቲ ተቐቢሎም

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 30/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንክልተ መዓልቲ ዕላዊ ዑደት ንምግባር ናብ ኢትዮጵያ ንዝመፁ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ቻይና ዋንግ ይ ኣብ ብሔራዊ ቤተ መንግሥቲ ሎሚ ተቐቢሎም።
ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስር ከም ዝገለፆ፤ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ቻይና ዋንግ ይ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ሎሚ መዓልቲ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ንሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ቻይና ዋንግ ይ ኣብ ብሔራዊ ቤተ መንግሥቲ ምቕባሎም ሓቢሮም።
እቲ ዝካየድ ዑደት ኣብ ሓበራዊ ድልየት ዝተመስረተ ክልትኣዊ ርክብን ዞባዊ ጉዳያትን ዝጠመተ ዘተ ከምዘካትት ትፅቢት ይግበር ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም