መበል 51 ስሩዕ ኣኼባ ኮሚቴ ቀወምቲ ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ክጅመር እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 30/2018(ኢዜኣ) መበል 51 ስሩዕ ኣኼባ ኮሚቴ ቀወምቲ ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪካ(PRC) ካብ 4 ክሳብ 22 ጥሪ 2018 ዓ/ም ኣብ ዋና መቐመጢ እቲ ሕብረት ዝኾነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።
እቲ ኣኼባ፤ “ምርግጋፅ ዘላቒ ቀረብ ማይን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ስርዓት ኣተሓላልዋ ፅሬትን ንዕዉትነት ሽቶታት ኣጀንዳ 2063” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሕብረት ኣፍሪካ ብዘዳለዎ መሪሕ ሓሳብ 2026 ዝካየድ እዩ።
መሪሕ ሓሳብ እዚ ዓመት ኣብ ድሕንነትን ኣተሓላልዋ ፅሬትን ማይ ኣፍሪካ ትኹረት ዝገበረ እዩ።
ኣብቲ ኣኼባ፤ ኣመራርሓ ትካላት እቲ ሕብረት፣ኣምባሳደራትን ዲፕሎማትን ሃገራት ኣባል እቲ ሕብረት ከምዝሳተፉ ኢዜኣ ካብቲ ሕብረት ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።
እቲ ኣኼባ፤ ካብ 4 ክሳብ 5 የካቲት 2018 ዓ/ም ኣብ ዝካየድ መበል 48 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ከምኡ እውን ካብ 7 ክሳብ 8 የካቲት 2018 ዓ/ም ኣብ ዝካየድ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ እቲ ሕብረት ዝቐርቡ ረቂቕ ኣጀንዳታት  ከምዝዝቲ ትፅቢት ይግበር።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም