ንዕዉትነት እቲ ሃገራዊ ምኽክር ትፅቢት ዝግበረልና ኣስተዋፅኦ ክነጠናኽር ኢና-ሲቪክ ማሕባራት

ባህር ዳር/ታሕሳስ 30/2018(ኢዜኣ) ንዕዉትነት እቲ ሃገራዊ ምኽክር ትፅቢት ዝግበረሎም ኣስተዋፅኦ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ሲቪክ ማሕባራት ገሊፆም።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ዝርከቡን ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ንኢዜኣ ርኢቶ ካብ ዝሃቡን ሲቪክ ማሕበራት ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ማሕበራት ጉዱኣት ኣካል እቲ ክልል ፍሬሰላም ዘገዬ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ሃገርና ኣፈላላያት ፖለቲካ ብዘተ ብምትዕራቕ ንረብሓ ህዝቢ ኣብ ምስራሕ ፀገማት ኣለዉ።
ንዘይምርድዳእ ምኽንያት ዝኾኑ ሓሳባት ዝፈጠርዎ ፀገም ብዘተ ፈቲሑ ኣብ መንጎ ህዝብታት ሓድነትን ምርድዳእን ንምጥንኻር ዝተጀመረ ሃገራዊ ምኽክር ዓብይ ዕድል እዩ ኢሎም።
‎ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ እዚ ሽቶ ንምዕዋት ኣብ ዝጀመሮ ፃዕሪ ብንቕሓት ብምስታፍ ንምኽክር ዝኸውን ኣጀንድኦም ከምዘቕረቡ እውን ሓቢሮም።
ኣብ መድረኽ ምፍላይን ምእካብን ኣጀንዳ ጉዱኣት ኣካል ብንቕሓት ብምስታፍ ኣለዉኒ ዝብልዎም ፀገማት ከም ኣጀንዳ ንክተሓዙ ከምዝተገበረ ኣረዲኦም።
ፀገማት ብዘተ ብምፍታሕ ጠንካራ ሃገረ መንግሥቲ ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እውን እጃሞም እናተዋፅኡ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ፕሬዚዳንት ማሕበር መናእሰይ ክልል ኣምሓራ መንእሰይ ጋሻው ኣዘነ ብግድኡ፤ ኣብ ከይዲ ህንፀት ሃገር ዝረኣዩ ኣፈላላያትን ዘይምርድዳኣትን ብዘተ ምፍታሕ ንህንፀት ጠንካራ ሃገር ኣድላይ እዩ ኢሉ።
ኣብ ከይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ እቲ ክልል ካብ ኩሎም ከባብታት እቲ ክልል ዝተውፃእፅኡ መናእሰይ ብምስታፍ ኣጀንድኦም ነቲ ኮሚሽን ከምዘእተዉ ሓቢሮም።
‎ሃገራዊ ምኽክር ሰላማ ዝተሓለወትን ዝማዕበለትን ሃገር ንምህናፅ ዓብይ ዕድል ዘለዎ ስለዝኾነ መናእሰይ እቲ ምኽክር ብዓወት ንክዛዘም ኣብ ጎኒ እቲ ኮሚሽን ኮይኖም እናሰርሑ ከምዝኾኑ እውን ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም