እቲ ምምሕዳር ከተማ ሂወት ዜጋታት ብዘላቕነት ዝቕይሩ ስራሕቲ ልምዓትን ደገፍን ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ምምሕዳር ከተማ ሂወት ዜጋታት ብዘላቕነት ዝቕይሩ ስራሕቲ ልምዓትን ደገፍን ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 28/2018 (ኢዜኣ) ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሂወት ዜጋታት ብዘላቕነት ዝቕይሩ ስራሕቲ ልምዓትን ደገፍን ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ንዓቕሚ ዘይብሎምን ሰብ ውዕለታ ሃገርን 381 ኣባይቲ ምስ ሙሉእ ናውቲ ገዛን መሕለፊ በዓልን ብውህብቶ ኣረኪበን።
እተን ከንቲባ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ በዓል ልደት መግለፂ ፍቕሪ፣ሓጎስን ምትሕግጋዝን እዩ።
ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ እውን ንዜጋታት ወነንቲ ገዛ ብምግባር እቲ በዓል ብሓጎስ ንከሕልፉ እዚ መርሃ ግብሪ ከምዘዳለዎ ኣረዲአን።
ስለዝኾነ እውን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኩሎም ክፍለ ከተማታት ዝተሃነፁ 381 ኣባይቲ ንዓቕሚ ዘይብሎምን ሰብ ውዕለታ ሃገርን ቁልፊ ከምዝተመሓላለፈ ገሊፀን።
ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰብ ተኮር ስራሕቲ ኣብ ምስላጥ ብትኹረት እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ሂወት ዜጋታት ብዘላቕነት ናይ ምቕያር ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢለን።