ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ደገፍ ገይሮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ደገፍ ገይሮም
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 28/2018 (ኢዜኣ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ሎሚ መዓልቲ ደገፍ ገይሮም።
ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ኣብ ዘሓላለፎ መልእኽቲ፤ ኣመራርሓነት ኣብ ፖሊሲን ትካላትን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሰብኣዊ ርክባት እውን ዝሳለጥ እዩ ኢሉ።
ሎሚ መላእ ቤተሰብ ኢትዮጵያ በዓል ልደት ንምኽባር ኣብ ዝሸባሸብሉ መዓልቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ብምዃን ኣብ መንጎ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ከምዝተረኸቡ ገሊፁ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኩሉ ግዜ ኣብ እዋን በዓላት ከዝገብርዎ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ሰራሕተኛታት ከምኡ እውን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ንዘዕብዮምን ንዝድግፎምን ህፃናት ውህብቶታትት በዓል ምሃቦምን መኣዲ ምክፋሎምን እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ።
እዚ ድማ በቢ መዓልቱ ኣስተዋፅአኦም ዋላ ኳ ጎሊሁ እንተዘይተዘረበ ንሃገር ንዘገልግሉ ሰራሕተኛታት ኣፍልጦ ዝሃበ፣ወለዶም ዝሰኣኑ ህፃናት እውን ኣብ ማሕበረሰብና ቦታ ከምዘለዎም ዘርኢ ፍቕሪ ዘካፈለ ተግባር ከምዝኾነ ሓቢሩ።