ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንበዓል ልደት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንበዓል ልደት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 28/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንበዓል ልደት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።
ሙሉእ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-
እንኳዕ ንበዓል ልደት እየሱስ ክርስቶስ ኣብፀሐኩም!
ሎሚ ዓመት ውልደት እየሱስ ክርስቶስ እነኽብሮ እቲ ዝተብሃለ ቃል ተስፋ ምብፅሑ፣ብርሃን ለውጢ ምውላዕ ምጅማሩ፣ዘበነ ምስጋር ምቕራቡ እናኣመንና እዩ። ጉዕዞና ብላዕልን ታሕትን ዝተመልአ እዩ ኔሩ፤ ተስፋ ዘቑርፁ ፈተናታት ኣተኣናጊድና ኢና። ድሕሪ ሕዚ እቲ ፈተና ዋላ ኳ ፍፁም ኣይረኽበናን እንተዘይበልና፣ኣብ ድሮ ተስፋና ዝውለደሉ መዓልቲ በፂሕና ኢና።
እቲ ዘበነ ፀገም ንከይምለስ ተፋንዩ ዘበነ ምንስርራእ ከምዝመፀ ብልበ ሙሉእነት ምዝራብ ንኽእል ኢና።
ውልደት እየሱስ ክርስቶስ ንትማሊ መሰረት ዝገበረ ንፅባሕ ዘድሓነ እዩ። ካብ ኣዳም ክሳብ ውልደት ክርስቶስ ዝተሳለጠ ኩሉ ዋጋ ዝረኸበ ብምኽንያት ውልደት ክርስቶስ እዩ። ድሕሪ ውልደት ክርስቶስ ዘሎ ሂወት ወዲ ሰብ ቅኑዕ ዝኾነ ብምኽንያት ክርስቶስ እዩ። ክርስቶስ ኣብ መንጎ ትማልን ፅባሕን “ትማሊ” ኮይኑ ንክልቲኦም ኣተዓሪቐዎም እዩ። ነዚ ኢና ንውልደት ክርስቶስ ብልዑል ክብሪ እነኽብሮ።
ክርስቶስ እንተዘይውለድ ትንቢት ዝተዛረቡ ነብያት፣መስዋእቲ ዘቕረቡ ካህናት፣ቃል ኪዳን ዝተቐበሉ ኣቦታት፣ ተስፋ ዝገበሩ ኩሎም ደቂ ሰባት ስርሖም ታሪኽ ጥራሕ ኮይኑ ክተርፍ ኔሩ እዩ። ዋጋ ከፊሉ ህያው ዝገበሮም ክርስቶስ እዩ። ክርስቶስ እንተዘይውለድ ወዲ ሰብ ኣብ ቀፃሊ ዘሳልጦም ስራሕቲ ስልጣነ፣ፅድቅን ወለንታውነትን ምስሊ ድኽነት ኣይነብሮምን ኔሩ። ትማሊ ዝቐደሰ፣ንፅባሕ እውን መሰረት ዝገበረ፣እቲ ሎሚ ዝተወለደ ክርስቶስ እዩ። እዚ ዓብይ ትምህርቲ ክነስትውዕለሉ ይግባእ። ትማሊ ዋላ ኳ ክንዲ ዝኾነ ይኹን ዓብይ ታሪኽ፣ዓብይ ሓድግን ዓብይ ፀጋን እንተሃለወና ሎሚና እንተተበላሽዩ ዋጋ የብሉን።
ባቢሎንን ፋርስን፣ኣቴን ሮምን፣ሱሜርን ሜሶፖታምያን - ሎሚ ኣብ ብናይ ቀደም ክብሮምን ልዕልነኦምን የለዉን። ንሳቶም ትማሊ ነይርዎም። ዝሰኣንዎ ንሎሚ እዮም። ንሎሚ ብምስኣኖም ድማ ትማሊኦም ትዝታ፣ፅባሐም ሕልሚ ኮይኑ እዩ። ያታ እምበር እመርታ የብሎምን።
ኢትዮጵያ ዓባይ ሃገር ኔራ እያ። ሃገረ ዓበይቲ ስልጣነታት እያ ኔራ። ሃገረ ዓበይቲ መንግስትታትን ህዝብታትን ኔራ እያ፤ ሃገረ ዓበይቲ ባህልታትን ዝነኣዱ ሓድግታትን ኔራ እያ። እቲ ሕቶ ‘ሎሚ ኸ’ ዝብል እዩ። ሎሚ ብድኽነት፣ድሕረትን ጥሜትን እንሳቐ እንተኾይኑ ታሪኽና ኣይተጠቐምናሉን ማለት እዩ። ትማሊ ዝትርጎም ብናይ ሎሚ መንፈስ እዩ። ናይ ሎሚ ልዕልና ንትማሊ ሓዊሱ ሓፍ እዩ ዘብሎ። ናይ ሎሚ ውርደት ድማ ንትማሊ እውን የዋርዶ እዩ።
ልዕልና ሃገርና ዝግንዘብ ወለዶ ሕዚ ተፈጢሩ እዩ። እዚ ወለዶ ድኽነትን በትርን ደጋጊሙ ጥዒሙ እዩ፤ መሰከፊ መልክዕ ድሕረት ክሳብ ዝኣኽሎ ሪኡ እዩ። ናይ ትማሊ ስሕተት ዘስዓቦ ፀገም ማእገሩ ክሳብ ዝጎብጥ ንክሽከም ተገዲዱ እዩ። እሱር መልክኣ ምድሪነት ዓይኑ ኣፍጢጡ እንትመፅእ ዝረኣየ ወለዶ እዩ። መጠን እቲ ፀገም መዚኑ ምርዳእ ጥራሕ ዘይኮነስ እታ መሳገሪት መርከብ ምህናፅ እውን ዝፈልጥ ወለዶ እዩ።
ናይ ትማሊ ዝኽትምና ብናይ ሎሚ ትግሃት ክንሰግሮ ከም እንኽእል ዝኣምኑ ዜጋታት ብዝበዝሑ መጠን መጻኢና ዝሓሸ ከም ዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ፅድቅን ትንቢትን ነብያት ዝቐፀለሉ ምኽንያት ኣምላኽ ነብያት ክርስቶስ ትንቢቶም ክፍፅም ስለ ዝተወልደ እዩ። መፅሓፍቲ ትንቢት ዋጋ ዝረኸቡ ብመፅሓፍቲ ወንጌል ዝተለዓለ እዩ። ብሉይ ኪዳን ብሰንኪ ሓዱሽ ኪዳን ዋጋ ረኺቡ እዩ። ኩሎም ትማሊ ንሎሚ መሰረት እዮም ። ትማሊና ዋጋን ክብርን ክህልዎ እንተደሊና ሎሚ ኣበርቲዕና ንፅዓር። ዝበዝሕ ግዜና ኣብ ዝኽርን ተዘክሮን ትማሊ ኣብ ክንዲ ምሕላፍ፤ ኣብ ናይ ሎሚ ቃልሲን ላዕልን ታሕትን ነሕልፎ። ሎሚና ዝተወደበን ሚዛናውን እንተኾይኑ ትማሊና ዝግብኦ ክብሪ ከም ዝረክብ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ክርስቶስ እንተ ዘይውለድ ነይሩ ድሕሪ ልደት ክርስቶስ ዝነበረ ዘመን ሓድሽ ዘመን ኣይምኾነን። “ፅባሕ ንምግማት እቲ ዝበለፀ መንገዲ ፅባሕ ባዕሉ ምፍጣር እዩ”ይብሃል፡፡ ናይ ደቂ ሰባት ፅባሕ ክርስቶስ ጀሚርዎ፤ ክርስትያናት ድማ ነዚ ሰዓብዎ። እቶም ሎሚ ዝሓሸ ስራሕ ዝሰርሑ ዝሓሸ ፅባሕ ይፈጥሩ እዮም። ሎሚ ብቀልድን ላግፅን፣ክፍኣትን ሽርሕን ዝነብሩ ሰባት ንፅባሕ ዝገደደ የበላሽውዎ እዮም።
ናይ ኢትዮጵያ ፅባሕ ካብ ናይ ሎሚ ስራሕን ቃልስን እምበር ካብ ናይ ሎሚ ድሌትን ትምኒትን ጥራሕ ኣይመፅእን። ሓደ ሓዲኦም ናይ ኢትዮጵያ ፅባሕ ንምብልሻው ኣብ እከይ ተግባራት ተፀሚዶም ኣለዉ። ንሕና ግና ናይ ኢትዮጵያ ፅባሕ ንምቕናዕ፣ንፅባሕ መሰረት ኣብ ዝኾኑ ስራሕቲ ተፀሚድና ኣለና።ናይ ፅባሕ መሰረት ሎሚ ምዃኑ ስለንፈልጥ ንፅባሕ ኮፍ ኢልና ኣይንፅበን። ሰሪሕና ክንበፅሖ ኢና።
ካብ ደንበ ቤተልሄም ክሳብ ኣደባባይ ቀራንዮ ናይ ደቂ ሰባት ትማሊ እንትቕደስ፣ናይ ደቂ ሰባት ፅባሕ እንትስራሕ ብዙሕ ግብረ-መልሲ ነይሩ። ዝደቀሱ ነይሮም። ዝናዓቑ ነይሮም። ቀተልቲ ነይሮም። ኣባረርቲ ነይሮም። ክፉኣት ነይሮም። ሓመይቲ ነይሮም። መዕንቀፍቲ ነይሮም። ነቐፍቲ ነይሮም። ብኻልእ ወገን ድማ ተረዲእዎም ዝስዕብዎ፣ፅባሕ ንምፍጣር ዝተሓባበሩ፣ሓቂ ንምዝራብ ዝደፈሩ፣ምእንቲ ሓቂ መስዋእቲ ክኸፍሉ ዝቖረፁ፣ውሑዳት ዝነበሩ ግን ከኣ ብዙሓት ንምፍጣር ኣበርቲዖም ዝሰርሑ -ነይሮም እዮም።
ናይ ኢትዮጵያ ፅባሕ እንትስራሕ እውን ግብረ-መልሲ ዝተፈላለየ እዩ ። ዝስዕሩ ግን ኣበርቲዖም ዝሰርሑ እዮም። ቪክቶር ሁጎ “ኣብ ዓለም ግዚኡ ዝበፅሐ ሓሳብ ደው ከብሎ ዝኽእል ሓይሊ የለን” ኢሉ ነይሩ። ብልፅግና ኢትዮጵያ ግዚኡ ዝበፅሐ ሓሳብ እዩ። ዝዓግቶ ሰብ የለን። ዕብየት ኢትዮጵያ ግዚኡ ዝበፅሐ ሓሳብ እዩ። ዝኾነ ሓይሊ ደው ከብሎ ኣይኽእልን።
ሎሚ ንሕና ኣብ መንጎ ትማልን ፅባሕን ደው ኢልና ኣለና። ትማሊ ብናይ ሎሚ ስራሕና ዋጋ ዘለዎ ክንገብሮ ኢና። ፅባሕ ብናይ ሎሚ ስራሕና ፅቡቕ ጌርና ክንሃንፆ ኢና። በዓል ልደት ክርስቶስ ነዚ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣብ ግምት ብምእታው ነብዕሎ።
ደጊመ ርሑስ ልደት ይኹነልና!!
ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተኸቢራን ተሓፊራን ንዘልኣለም ትንበር!!
ፈጣሪ ንኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!
28 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም