እንተተማሂርናን ድሉዋት እንተኾይንናን ኣብ ኤኣይ ኣብ ዘይነዓቕ ብርኪ ክንበፅሕ ኢና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
እንተተማሂርናን ድሉዋት እንተኾይንናን ኣብ ኤኣይ ኣብ ዘይነዓቕ ብርኪ ክንበፅሕ ኢና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 28/2018(ኢዜኣ) እንተተማሂርናን ድሉዋት እንተኾይንናን ኣብ ኤኣይ ኣብ ዘይነዓቕ ብርኪ ክንበፅሕ ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተዛሪቦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መበል 75 ዓመት በዓል ምስረታ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብዝምልከት ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ፅሑፍ ኣቕሪቦም።
እቲ ፅሑፍ ድሕሪ ምቕራቦም እውን ካብ ሙሁራን ንዝቐረቡሎም ሕቶታት ምላሽን መብራህርህን ሂቦም።
ኣብ መብራህሪህኦም እውን፤ መንግሥቲ ልምዓት ኮሪደርን መንገድን ነቲ ነባሪ እንተቕርብ እዚ ብኣግባቡ ከመይ ክተሓዝ ከምዝኽእል ድማ ሙሁራን ንከተማነት ኣብ ኣእምሮ ደቂ ሰባት ክሰርሑ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።
ምስ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብዝተኣሳሰረ እውን ኢትዮጵያ ዓብይ ተስፋ ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት ሓቢሮም።
ኤኣይ ካብ ዝደልዮም ነገራት እቲ ሓደ ኢነርጂ ከምዝኸነ ብምሕባር፤ ብመዳይ እዚ ኢትዮጵያ ብዙሕ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዘለዋ ኣረጋጊፆም።
ኣብ ኢነርጂ ኢንቨስት እንተገይርና ንኤኣይ ሓደ ምችው ጉዳይ ፈቲሕናሉ ማለት እዩ ክብሉ እውን ገሊፆም።
እቲ ካሊእ ኤኣይ ዝደልዮ ጉዳይ ድማ ሓበሬታ(ዳታ)ን ማእኸል ሓበሬታ(ዳታ ሴንተር)ን ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
እንተተማሂርና፣ድሉዋት እንተኾይንና፣ንሰርሖም ዘለናን ኣብ ቀፃሊ እነሳልጦምን ሓዊሱ ብምትሕብባር ንለውጢ ድሉዋት ኮይንና ብትግሃት እንተሰሪሕና ኣብ ከይዲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኣብ ዘይነዓቕ ብርኪ ክንበፅሕ ኢና ኢሎም።