ሃገራዊ ምኽክር፣ህንፀት ባህሊ ዲሞክራስን ትካላትን ንኹሉ እትምችው ሃገር ንምህናፅ ወሰንቲ እዮም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ሃገራዊ ምኽክር፣ህንፀት ባህሊ ዲሞክራስን ትካላትን ንኹሉ እትምችው ሃገር ንምህናፅ ወሰንቲ እዮም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 28/2018(ኢዜኣ) ሃገራዊ ምኽክር፣ህንፀት ባህሊ ዲሞክራስን ትካላትን ንኹሉ እትምችው ሃገር ንምህናፅ ወሰንቲ ከምዝኾኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መበል 75 ዓመት በዓል ምስረታ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብዝምልከት ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ፅሑፍ ኣቕሪቦም።
እቲ ፅሑፍ ድሕሪ ምቕራቦም እውን ካብ ሙሁራን ንዝቐረቡሎም ሕቶታት ምላሽን መብራህርህን ሂቦም።
ኣብ መብራህሪህኦም እውን፤ ፀገማት ኢትዮጵያ ብምፍታሕ ብዝተደመረ ዓቕሚ ሃገር ንምምዕባል ሙሁራን ሓሳብ ካብ ምፍልፋልን ፀገም ፈታሕቲ መፅናዕቲ ካብ ምግባርን ጀሚሩ ብተግባር ለውጢ ዘምፅእ ስራሕ ከሳልጡ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ኣፈላላያት ፖለቲካ ከመይ እዩ ምፍታሕ ዝከኣል ብዝብል ንዝተልዓለሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ምፍታሕ ጉዳይ ቆራፅነትን ቅዋምን ክኸውን ኣለዎ።
በቢ ከባቢኡ ዘለዉ ጫፍ ዝወፁ ኣተሓሳስባታት ንኢትዮጵያ ንቕድሚት ከምዘይስዱ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ናይ ኩላትና እያ ብዝብል ኣተሓሳስባ ኣሚንና እንተሰሪሕና ናብ ዝሓሸ ምዕራፍ ክንሳገር ኢና ኢሎም።
ንታሪኽ ብሚዛን፣ንሎሚ ብትግሃት፣ንፅባሕ ድማ ብተስፋ ኢና ንምልከቶ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ንኹሉ ሕብረተሰብ ማዕረ ዕድል ምሃብ ከምዝግባእ ኣረዲኦም።
ጠንካራ ሃገራዊ ሓድነት ምፍጣር ዝከኣል ሓባራዊ ተረኽ ብምህናፅ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ መንግሥቲ ነቲ ጉዳይ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።