ኢትዮጵያ ንሰብ ስራሕ ብልሒ መሰረት እናንበረት እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ንሰብ ስራሕ ብልሒ መሰረት እናንበረት እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 27/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ማዕቐፍ ፖሊሲን መሰረተ ልምዓትን ሓዊሱ ንሰብ ስራሕ ብልሒ መሰረት ዘንብሩ ስራሕቲ እናሳለጠት ከምትርከብ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መበል 75 ዓመት በዓል ምስረትኡ ዝምልከት ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ፅሑፍ ኣቕሪቦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ መድረኽ ዘተ ካብ ሙሁራን ንዝቐረቡሎም ሕቶታት እውን ምላሽን መብራህርህን ሂቦም።
ኣብ መብራህሪህኦም እውን፤ ሰብ ስራሕ ብልሒ (ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ) ብብርኪ ዓለም ዘለዎ ፅዕንቶን እጃምን ብዝለዓለ ኩነታት እናወሰኸ ምምፅኡ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ዝተዛዘመ ዓመት ፈረንጂ 2025 ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ንብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ከምዝተክአ ብምሕባር፤ ሕዚ እውን ብዝተጠናኸረ መልክዑ ከምዝቕፅል ሓቢሮም።
ቀልጢፍና ደቅና እንተዳሊውና ሰብ ስራሕ ብልሒ ከም ዝተፈላለዩ ፍርያታት ብቐሊሉ ክንጥቀም ንኽእል ኢና ኢሎም።
ንኤ.ኣይ ንፈጥሮ ንሕና ኢና እንቕይሮ እውን ንሕና ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ቀዲምና ፋውንዴሽን ክነንብር ይግባእ ክብሉ ኣብራህሪሆም።
መንግሥቲ ንሰብ ስራሕ ብልሒ ፖሊሲን ስትራቴጂን ኣዳሊዉ ተግባራዊ እናገበረ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ሙዜም ሳይንስ እቲ ሓደ መሰረተ ልምዓት እዩ ኢሎም።
መሰረተ ልምዓትን ተውህቦ(ታለንት)ን ኣብቲ ዓውዲ ቁልፊ እጃም ከምዘለዎም እውን ገሊፆም።
ኢትዮጵያ እትሃንፆ ዩኒቨርሲቲ ኤ.ኣይ እውን ብዙሓት ፀገማት ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ከምዝፈትሕ ትፅቢት ከምዝግበር ኣረዲኦም።
እቲ ዋና ደቅና እዮም ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፤ ደቅና ዝወዳደርሉን ካብ ካልኦት ንኢሶም ዘይረኣይሉን ኩነታት ንምፍጣር እውን እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ቀዲምካ ምውድዳርን ቀዲምካ ምርካብን ኣድላይ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ንኤ.ኣይ በዚ መልክዕ ምርኣይ ከምዝግባእ ሓቢሮም።
ኤ.ኣይ ስራሕቲ ኣብ ምፉዃስን ግዜ ኣብ ምቑጣብን ወሳኒ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክቱ እውን ፀሪሖም።
እቲ ፈላማይ ወለዶ ንኢኮኖሚ ቀዳምነት ዝሃበን እቲ ካልኣይ ወለዶ ድማ ፖለቲካ ዘቐደመን ከምዝኾነ ዝገልፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ናይዚ ሕዚ ዘበን ድማ ወለዶ ሓሳብ እዩ ኢሎም።
ሓሳብ ዝፎቱ ወለዶ ፀገማት እናፈትሐ ከምዝኸይድ እውን ተዛሪቦም።