ንበዓል ልደት ምቁርራፅ ሓይሊ ንከየጋጥም እኹል ምድላው ተገይሩ እዩ-ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ - ኢዜአ ትግርኛ
ንበዓል ልደት ምቁርራፅ ሓይሊ ንከየጋጥም እኹል ምድላው ተገይሩ እዩ-ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 27/2018(ኢዜኣ) ንበዓል ልደት ምቁርራፅ ሓይሊ ንከየጋጥም እኹል ምድላው ከምዝገበረ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ገሊፁ።
እቲ ትካል በዓላት ልደትን ጥምቀትን ብዝምልከት ኣብ ዘሳለጦም ስራሕቲ ቅድመ ምድላው መግለፂ ሂቡ።
ኣብቲ ኣገልግሎት ዳይሬክተር ኦፕሬሽንን ኤክሰለንስን መሰረተ ልምዓት ኔትወርክ ፈረድ ኣብዱሰላም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ልደት ሓዊሱ ኣብ ዝቕፅሉ በዓላት ዝህሉ ልዑል ተጠቃምነት ሓይሊ ኣብ ግምት ብምእታው ምቁርራፅ ሓይሊ ንከየጋጥም ምድላው ከምዝተገበረ ሓቢሮም።
ምቁርራፅ ሓይሊ እንተጋጥም እውን ቅልጡፍ ምላሽ ንምሃብ ምድላው ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።
ብምኽንያት ኣብ እዋን እቶም በዓላት ዝህሉ ኣጠቓቕማ ሓይሊ ክፍጠር ዝኽእል ነገር እንተሃልዩ ቅልጡፍ ምላሽ ዝህብ ጉጅለ ኦፕሬሽን ከምዝተዳለወ ኣረዲኦም።
ነቲ ኣገልግሎት ሓበሬታ ንምሃብ እቲ ሕብረተሰብ ብነፃ መስመር ስልኪ 905 ክጥቀም ከምዝኽእል እውን ኣፍሊጦም።