ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር መኣዲ ኣካፊለን - ኢዜአ ትግርኛ
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር መኣዲ ኣካፊለን
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 27/2018(ኢዜኣ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር መኣዲ ኣካፊለን።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ መፃኢ በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ከተማና ኣብ ዝርከቡ ክፍለ ከተማታትን ወረዳታትን ንዝነብሩ ልዕሊ 300 ሽሕ ኣታዊ ዘይብሎም፣ማሕበራዊ ፀገም ዘለዎም፣ትሑት ኣታዊ ዘለዎምን ዓቕሚ ዘይብሎምን ወገናት መርሃ ግብሪ ምክፋል መኣዲ ኣሳሊጥና ኢለን።
በዓል ልደት በዓል ውልደት እየሱስ ክርስቶስን መግለፂ ፍቕርን ስለዝኾነ ንዝተፀገሙ ወገናት ዘለና ፍቕሪ መኣዲ ብምክፋል ብተግባር እንገልፀሉ እዩ ክብላ እውን ሓቢረን።
ኣብ ኩሎም በዓላት ካብ ዘለዎም ንወገናቶም ብምክፋል ንዕዉትነት እዚ ሰናይ ተግባር ደኺሙኒ ከይበሉ ሓቢሮምና ጠጠው ንዝበሉ ልበ ቕኑዓት ሰብ ሃፍቲ፣ብትግሃት ንዘተሓባበሩ መናእሰይን ኣመራርሓን ብሽመይን ብሽም እቲ ምምሕዳር ከተማን ልባዊ ምስጋናይ የቕርብ ክብላ መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።