ኢትዮጵያ ኣብ 2023 ዓ.ም ኣፍሪካዊት መርኣያ ብልፅግና ክትኸውን እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 26/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ 2023 ዓ.ም ኣፍሪካዊት መርኣያ ብልፅግና ምግባር ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መበል 75 ዓመት በዓል ምስረትኡ ብዝምልከት ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ፅሑፍ ኣቕሪቦም።



ኣብ ዘቕረብዎ ፅሑፍ እውን፤ ከም መንግሥቲ ኣብ 2023 ዓ/ም ኢትዮጵያ ኣፍሪካዊት መርኣያ ብልፅግና ክትኸውን ኣለዋ ዝብል ራኢ ሰኒቕና ኢና፤ እዚ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ክነዐውቶ ኢና ኢሎም።
ኣብ 2040 ዓ/ም ድማ ኣብ ዓለም መርኣያ ዝኾነት ሃገር ክትኸውን እያ ክብሉ ሓቢሮም።
ንዕዉትነት እዚ ራኢ ሰብኣዊ ልዕልና፣ልኣላዊነት ኢኮኖሚ ምርግጋፅን ኣፍሪካዊት ሓያል ምዃንን ዝብሉ ሰለስተ ትልምታት ከምዘለዉ ተዛሪቦም።
ዝተሳገረን ዝተኣሳሰረን ሙሁራዊ እጃም ንምብርካት እውን ንቑሕ ተሳትፎ ምግባር፣ካብ ባዕልኻ ዝተሳገረ ዕላማ ምሓዝ ከምኡ እውን ብሞያ ምግልጋልን ድልድል ምዃንን ኣድላይ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።
ካብቲ ነባር ሓፁር ሓሳብ ንውፃእ፣ሓደሽቲ ሓሳብ ንምፍጣር ንፀዓር፣ሓሳብ ዶብ ስለዘይብሉ ካብ ከባብን ዓሌትን ወፂእና ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ብሓባር ንስራሕ ክብሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም