ሙሁራን ሓታቲ፣ተንታንን ብፈተና ሓሊፉ ሃገር ዝሃንፅን ወለዶ ናይ ምፍራይ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣለዎም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ሙሁራን ሓታቲ፣ተንታንን ብፈተና ሓሊፉ ሃገር ዝሃንፅን ወለዶ ናይ ምፍራይ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣለዎም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 27/2018(ኢዜኣ) ሙሁራን ሓታቲ፣ ተንታኒ፣ፈታዊ ሃገሩን ብፈተና ሓሊፉ ሃገር ዝሃንፅን ወለዶ ናይ ምፍራይ ሓላፍነት ከምዘለዎም ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተዛሪቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መበል 75 ዓመት በዓል ምስረትኡ ብዝምልከት ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ፅሑፍ ኣቕሪቦም።
ስለዝኾነ ድማ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር እንታይነት፣ መግለፅን ተግባራዊ እጃምን ሙሁርነት ዝምልከት ሰፊሕ መብራህርሂ ሂቦም።
ኣብ መብራህሪህኦም እውን፤ ሙሁራን ካብቲ ካሊእ ማሕበረሰብ ብዘለዎም ኣተሓሳስባን ተግባርን ከምዝፍለዩ ብምሕባር ሙሁርነት ንሕቶ ድሉው ምዃንን ብቕዓት ምሕታትን እዩ ኢሎም።
ናብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ምኻድ ዋላ ኳ ንሙሁርነት ሓደ ብርኪ ንቕድሚት ዝወስድ እንተኾነ ሓቃዊ ሙሁር ግና ኣብ ውሽጢ ሕቶን ድሕሪ ሕቶን ብዝርከብ ብቕዓት ምሕታትን ትግሃትን ዝልካዕ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ሙሁርነት ዝተሓላለኹ ጉዳያት ንምድህሳስ ምፍታን፣ ሓሳብ ንምዝራብ፣ ንምድማፅን ንምሕታትን ምድላው ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እዚ ድማ ብዋናነት ህንፀት ዓቕሚ ምሕሳብ ዝሰርሕ ተግባር ከምዝኾነ ሓቢሮም።
እታ ሃገር ዘበን ቀያርን ወለዶ ኣሳጋርን ኣተሓሳስባታት ከምዘድልይዋ ብምግላፅ፤ መግለፂ ሙሁራን ሓሳብ ኣፍቃርን ኣኽባርን፣ ዕሙቕ ኣሰላሳልን ብዙሕ ሓታትን፣ ኣንበብትን ተንተንትን ከምኡ እውን ፀገም ፈታሕን ኣለሽቲ መፍትሕን ክኾኑ ከምዘለዎም ኣረዲኦም።
ሙሁራን ነገራት ካብቲ ዝተለመደ መንገዲ ብዝተፈለየ መልክዑ ምርኣይ፣ዝተሓላለኹ ጉዳያት ናይ ምትንታንን ፍልጠት ናብ ዝጭበጥ ተግባር ናይ ምቕያርን ብቕዓት ክህልዎም ይግባእ ኢሎም።
ሙሁራን ወለዶኣዊ፣ማሕበረሰባዊ፣ ኢንዳስትሪያላውን ዓለም ለኻውን እጃማት ከምዘለውዎም እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ተዛሪቦም።
ሙሁራን ሓታቲ፣ ተንታኒ፣ፈታዊ ሃገሩን ብፈተና ሓሊፉ ሃገር ዝሃንፅን ወለዶ ናይ ምፍራይ ሓላፍነት ከምዘለዎም እውን ሓቢሮም።
እቲ ማሕበረሰብ ካብ ምንቃሕ ብተወሳኺ ብምርምር ዝተረኸቡን ብሰነድ ተቐሚጦም ዝፀንሑ ፈጠራታትን ናብ ተግባር ክቕይሩ ከምዝግባእ ወሲኾም ገሊፆም።
ተግባራዊ እጃም ሙሁራን ኣብ ሰለስተ ዋና ዋና ክፍልታት ከምዝምደቡ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ዘርኢ ፍልጠት ምዝራእ፣ ኣንፈት ለውጢ ምቕያስን ሓባራዊ ፀጋ ምእንፋትን ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ሙሁር ካብ ቀዳሞትን ታሪኽን ዝተረኸበ ፍልጠት ነቲ ዘበን ብዝምጥን መልክዑ ቅርፂ ምትሓዝ፣ ምክርኻርን እቲ ፍልጠት ዓለም ለኻዊ ንክኸውን ክገብርን ይግባእ ኢሎም።
ባህሊ ፈጠራ፣ ስራሕ፣ ዲሞክራሲ፣ ሲቪክን ንፁህ ከተማን ዘጠናኽሩ ሓሳባትን ፀጋታትን ምፍጣር ከምኡ እውን ለውጢ ተግባራዊ ምግባር ዘኽእሉ ሓባራዊ ትውፊታት ክሕንፅፅ ከምዘለዎ እውን ተዛሪቦም።
ሙሁራን ኣብ ስርዓታዊ፣ ስልታዊ፣ ፈጠራውን ምኽንያታውን ኣተሓሳስባታት ትኹረት ገይሮም ክሰርሑ ከምዝግባእ ብምፅራሕ፤ ሙሁራን ንኹሎም ኣተሓሳስባታት ኣስኳል እዮም ኢሎም።