ሙሁራን ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ንምርኣይ ሓባራዊ ተረኽ ብምፍጣር ሙሁራዊ ኣመራርሓ ክህቡ ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 26/2018(ኢዜኣ) ሙሁራን ካብ ድኽነት ሓራ ዝወፀትን ዝማዕበለትን ኢትዮጵያ ንምርኣይ ሓባራዊ ተረኽ ብምፍጣር ሙሁራዊ ኣመራርሓ ክህቡ ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መበል 75 ዓመት በዓል ምስረትኡ ብዝምልከት ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ፅሑፍ ኣቕሪቦም።



እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ፅሑፎም፤ ኣብ ብልፅግና ሃገር ልዑል እጃም ዘለዎ ሙሁር ኣብቲ ዓውዲ ዝተውሃቦ ኣመራርሓ ፈልዩን ፈሊጡን ዘገልግል እዩ ኢሎም።
ሙሁራን ካብ ድኽነት ሓራ ዝወፀትን ዝማዕበለትን ኢትዮጵያ ንምርኣይ ሓባራዊ ተረኽ ብምፍጣር ሙሁራዊ ኣመራርሓ ክህቡ ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም።
ንኢትዮጵያ ካብ ድኽነት ሓራ ብምውፃእ ናብ ዝተማልአ ብልፅግና ንምስግጋር ሙሁራን እጃሞም ዝለዓለ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ውፅኢታዊ ኣመራርሓ ንምሃብ ብቐዳምነት ዓርስኻ ምሽናፍ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
መሪሕነት ዝጅመር ካብ ዓርስኻ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሙሁራን ኣብ ውሽጦም ዘሎ ድምፂ ፈልዮም ከዳምፁን ዓወት ክሓፍሱን ከምዘለዎም ፀሪሖም።
ሙሁራን ዝተውሃቦም ሓላፍነት፣ ፍልጠትን ፅልዋን ተጠቒሞም ውፅኢታዊ ኣመራርሓ ንምሃብ ወሳኒ እጃም ከምዘለዎም ኣረዲኦም።
መሪሕነት ብግዜን ብዘበንን ምስልጣን ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ሕድ ሕድ ስራሕ ንዝተሓሰበሉ ዕላማ ምውዓል ይግባእ ኢሎም።
መግለፂ ሙሁርነት ምስ ግዜ ዝግበር ቅድድም ከይተቐደሙን ከየርፈዱን ምርካብ ከምዝኾነ ብምፅራሕ፤ ዘለውዎ ዘበን ዝርድኡ እቲ ደጋዊ እውን ምርኣይ ዝኽእሉ ክኾኑ ከምዘለዎም ተዛሪቦም።
ሓሳብ ሓይሊ ለውጢ፣ሙሁራን ድማ ወኪል ለውጢ እዮም ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ብመስተጋብር ፖለቲካ፣ ኢኮኖምምን ሰባትን ውክልና ሓሳቦም ክዋዝፅኡ ከምዝግባእ ሓቢሮም። 
ሓሳብ ምንቅስቓስ ይፈጥር፣ ምንቅስቓስ ድማ ስርዓት ይፈጥር ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤  ሓሳብ ሙሁራን ትካል ክፈጥር ኣለዎ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም