ብውሽጣውን ባዕላውን ዓቕሚ ኣብ ህንፀት መንገዲ ባቡር ዝተመዝገበ ዕቤት ኣዝዩ ዝነኣድ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ብውሽጣውን ባዕላውን ዓቕሚ ኣብ ህንፀት መንገዲ ባቡር ዝተመዝገበ ዕቤት ኣዝዩ ዝነኣድ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 26/2018(ኢዜኣ) ብውሽጣውን ባዕላውን ዓቕሚ ኣብ ህንፀት መንገዲ ባቡር ዝተመዝገበ ዕቤት ኣዝዩ ዝነኣድ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ባቡር ምድሪ ኢትዮ-ጅቡቲ ዑደት ምግባሮም ሓቢሮም።
እቲ ዑደት ብሄራዊ ዓቕሚ ስራሕ ሎጂስቲክስ ሃገርና ንምግምጋምን ዝዓቢ ዘሎ ኣጀንዳ ልምዓት እታ ሃገር ንምድጋፍን ኣብ ድሉውነት ሎጂስቲክስ ሃናፂ ዘተታት ንምክያድ ጠቓሚ ዕድል ሂቡና እዩ ኢሎም።
ኢኮኖሚና እናዓበየ እንትኸይድ ዓውዲ ሎጂስቲክስ እንተዘይማዕቢሉ ዘላቒ ዕቤት ዝዓግት ዋና መሰናክል ምዃኑ ክቕፅለሉ እዩ ክብሉ እውን ኣረዲኦም።
ሕዚ ብፍላይ ድማ ብውሽጣውን ባዕላዊ ዓቕምን ኣብ ህንፀት መንገዲ ባቡር ዝተመዝገበ ዕቤት ዓዝዩ ዝነኣድ ከምዝኾነ ገሊፆም።
እዚ ድማ ዓቕሚ ውሽጢ ሃገር ንምህናፅ፣ ውፅኢታውነት ንምምሕያሽን ኣብ ዓውዲ ባቡር ንነዊሕ እዋን ዝፀንሕ ዘላቕነት ንምርግጋፅ ዘለና ፅኑዕ ቆራፅነት ዘርኢ እዩ ኢሎም።
ሎጂስቲክስ ካብ ባሕሪ ክሳብ መኽዝናት ዘሎ ሙሉእ ሰንሰለት ከምዝሓቁፍ ብምግላፅ፤ ኣውራ መንገድታት፣ ኣገልግሎታት ትራንስፖርትን መዋህለሊ ትካላትን ከምዝሓውስ እውን ፀሪሖም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ኣብ ኢድና ኣብ ዘለዉ ዓውድታት ከም ደረቕ ወደባት፣ መሰረተ ልምዓት ባቡር፣ ኣውራ መንገድታትን ህንፀት መኽዝንን ኣድላይ ስራሕቲ መመሓየሽታትን ዘበናዊ ምግባርን ኣብ ከይዲ ከምዝርከቡ ሓቢሮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝበልዎ፤ እዞም ተዛመድቲ ክፍተታት ሎጂስቲክስ ብዝተዋደደ መንገዲ ምፍታሕ ማለት ዕንቅፋታት እቲ ዓውዲ ንምስጋርን ሰፊሕ ሽቶታት ልምዓት እታ ሃገር ንምድጋፍን ወሳኒ እዩ።