ፕሮጀክት ቅልጡፍ መንገዲ ሚኤሶ-ድሬዳዋ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባዊ ምትእስሳር ዘለዋ እጃም ዘጠናኽር እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 25/2018 (ኢዜኣ) ፕሮጀክት ቅልጡፍ መንገዲ ሚኤሶ-ድሬዳዋ ንግዲ ወፃእን ኣታውን ዘቀላጥፍን ኢትዮጵያ ኣብ ዞባዊ ምትእስሳር ዘለዋ እጃም ዘጠናኽርን ከምዝኾነ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ መሰረተ ልምዓት መንገዲ ቁልፊ ጉዳይ ጉዕዞ ዕቤት ኢኮኖሚና እዩ ኢሎም።
ፕሮጀክት ቅልጡፍ መንገዲ ሚኤሶ - ድሬዳዋ ዝርከበሉ ከይዲ ስራሕ ብዝምልከት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ሓለፍቲ ስራሕ ምዝታዮም ሓቢሮም።



ኣብ ከይዲ ስራሕ እቲ ፕሮጀክት ዝሳለጡ ዘለዉ ምድላው ሓይሊ ሰብ፣ ቀረብ ማሽነሪን ካልኦት ናውቲ ህንፀትን፣ ምድላው ዑደት ስራሕን ምስ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ዝተገበሩ ዘተታትን እንታይ ይመስሉ ዝብሉ ጉዳያት ምድህሳሶም ኣረዲኦም።
ፕሮጀክት ቅልጡፍ መንገዲ ሚኤሶ - ድሬዳዋ ንከበድቲ መኪናታት ፅዕነት ኣፀጋሚ ዝነበረ መንገዲ ምችው ብምግባር፣ ንግዲ ወፃእን ኣታውን ዘቀላጥፍን ኢትዮጵያ ኣብ ዞባዊ ምትእስሳር ዘለዋ እጃም ዘጠናኽርን ከምዝኾነ ሓቢሮም።
እቲ ፕሮጀክት ተወዳዳሪነት እቲ ኢኮኖምን መነባብሮ ዜጋታትን ንምምሕያሽ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ስለዘለዎ ኣብ ዝተትሓዘሉ ግዜ ገደብ ንክዛዘም ዝተዋደደ ርብርብ ምግባር ከምዝግባእ እውን ገሊፆም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም