ልኣላዊነት ሰብኣዊ ደገፍና ንምርግጋፅ እናሰራሕና ኢና ንርከብ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ልኣላዊነት ሰብኣዊ ደገፍና ንምርግጋፅ እናሰራሕና ኢና ንርከብ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 25/2018 (ኢዜኣ) ልኣላዊነት ሰብኣዊ ደገፍና ንምርግጋፅ እናሰራሕና ኢና ንርከብ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
ሎሚ መዓልቲ ብሓዱሽ መልክዕ ዝተዋቐረ ቤት ምኽሪ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ፈላማይ ኣኼብኡ ኣካይዱ።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብቲ ናይ ሎሚ ዘተ ዝተሳተፉ ትካላት ኣብ ናይ ለውጢ ኣተሓሳስባ ዝተኻተቱን ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ዝውክሉ እውን ዘለውዎን ስለዝኾነ ብሓባር ካብ ነሳልጦም ስራሕቲ ብተወሳኺ በቢ ትካላቶም ሰብኣዊ ደገፍ ብባዕላዊ ዓቕሚ ንምምላእ ኣብ ንገብሮ ፃዕሪ ዘይትካእ እጃም ኣለዎም ኢሎም።
እቲ ሓዱሽ ቤት ምኽሪ እቲ ሓዱሽ ፖሊሲ፣ ኣዋጅን ፈንድ ምላሽ ስግኣት ሓደጋን መሰረት ብምግባር ዓቕሚ ህዝቢ ብምትሕብባር ጠንካራ ማሕበረሰብ ንምህናፅን ተፈጥሮኣውን ሰብ ስራሕን ጉድኣታት ብዝቐነሰ መልክዑ ንምክልኻልን ብትግሃት ክሰርሕ እዩ ክብሉ እውን ገሊፆም።
ሰብኣዊ ደገፍ ብባዕላዊ ዓቕሚ ንምምላእ ስርዓታውን ትካላውን ዓቕሚ ምጥንኻር ከምዝግባእ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ሓቢሮም።
ብመሰረት ካብ 2026 ክረምቲ ጀሚሩ ዝተሓንፀፁ ፍኖተ ካርታታት ልመናን ተመፅዋታይነትን ብመፍረያይነት ንምትካእ ልዑል ርብርብ እናተገበረ ከምዝርከብ ብምሕባር፤ ውፅኢት እውን እናተመዝገበሉ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ብዘላቕነት ዘተኣማምን ፈንድ ምላሽ ስግኣት ሓደጋ ምህናፅ፣ መሐለውታ ውህላል ኣብ ፌዴራልን ክልላትን ምውዳብን ተመዛበልቲ ወገናት ብዘላቕነት ተጣይሾም ናብ መፍረያይነት ንክምለሱን ምግባር ቀንዲ ስራሕ መንግስቲ ከምዝኾነ እውን ኣብራህሪሆም።
ብፍላይ ድማ ፀጋ ሰናይ ልምምድ ምድግጋፍን ምሕዝነትን ማሕበረሰብና ብምጥንኻር በቢ ከባቢና ካብ ተመፅዋታይነት ናብ መፍረያይነት ንገብሮ ጉዕዞ ሰፊሕ ትኹረት ዝወሃቦ እዩ ኢሎም።
ጉዕዞ ልልኣላዊነት ሰብኣዊ ደገፍና ዘጋጥሙ ፈተናታት ብፍልጠትን ጥበብን ምስጋር ዝሓትት እዩ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እዚ ድማ ብምልከታ መደመርን ጠንካራ ኣመራርሓን ንምዕዋት ኣብ ስምምዕ በፂሕና ክብሉ ኣፍሊጦም።
ልኣላዊነት ሰብኣዊ ደገፋ ዘረጋገፀት ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ከም ሃገር መላእ ማሕበረሰብ ምንቕቓሕ ከምዝግባእ እቲ ቤት ምኽሪ ኣንፈት ከምዘቐመጠ እውን ገሊፆም።