ቱሪዝም ጥዕና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘዕቢ ዓቐሚ ይፍጠር ኣሎ-ከንቲባ አዳነች አቤቤ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ /25/2018(ኢዜኣ) መባፅሕ ቱሪዝም ጥዕና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘዕቢ ዓቐሚ ይፍጠር ከምዘሎ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን ።
መርሃ ግብሪ ምረቓ 15 ስፔሻሊቲን ሰብስፔሻሊቲን ኣገልግሎት ዝህብ ሜዲካል ፕላዛ ሃባሪ ተኻይዱ።
እተን ከንቲባ፤ እዚ ዘበን ብዘፍረዮም ቴክኖሎጂታት ዝተሓገዘ ዕዙዝን ስሉጥን ኣገልግሎት ሕክምና ንምሃብ ዝተሃነፀ ፕላዛ ጥዕና ሃባሪ ሎሚ መሪቐን ስራሕ ኣጀሚረን።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ፣ ነበር ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሙላቱ ተሾመ(ዶ/ር)፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን እቲ ምምሕዳር ከተማን ተረኺቦም።



ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፤ ፕላዛ ጥዕና ሃባሪ ቀንዲ ሽቶ ገይሩ ዝተልዓለ ብምኽንያት ስእነት ሕክምና ናብ ወፃኢ ሃገራት ዝግበር ጉዕዞ ንምትራፍ ኢሉ እውን ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ተሓከምቲ መፂኦም ግቡእ ሕክምና ንክረኽቡ ዝዓለመ እዩ።
መንግስቲ ንዓውዲ ጥዕና ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከምዝርከብ ብምግላፅ፤ ዜጋታት ብዝድለ መጠን ኣገልግሎት ሕክምና ንክረኽቡ ዘፈር ውልቀ ልዑል እጃም ከምዘለዎ ኣገንዚበን።
ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ብግደአን፤ ኣገልግሎት ጥዕና ፅሬቱ ዝሓለወን ተበፃሕን ንክኸውን ዲጂታል ኣገልግሎታት ብምትግባር ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ጋህዲ ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።
ኣብቲ ማእኸል ሕክምና ዝተፈላለዩ ስፔሻሊቲን ሰብስፔሻሊቲን ሓኻይም ከምዘለዉን ኣብ ወፃኢ ሃገራት ጥራሕ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ከምዝወሃበሉን ዝገለፃ ድማ መስራቲት ፕላዛ ጥዕና ሃባሪ ዶ/ር ኣኸዛ ጠዓመ እየን።



ህንፀት  እቲ ፕላዛ ጥዕና መንግስቲ ንዘፈር ውልቀ ብዝሃቦ ሰፊሕ ዕድል ከምዝኾነ እውን ሓቢረን። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም