ፀገም ክልል ትግራይ ብምኽክር ከምዝፍታሕ ኢና ንኣምን-ውድባት ፖለቲካ ክልል ትግራይ - ኢዜአ ትግርኛ
ፀገም ክልል ትግራይ ብምኽክር ከምዝፍታሕ ኢና ንኣምን-ውድባት ፖለቲካ ክልል ትግራይ
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 25/2018 (ኢዜኣ) ፀገም ክልል ትግራይ ብምኽክር ከምዝፍታሕ ከምዝኣምኑ ውድባት ፖለቲካ ክልል ትግራይ ገሊፆም።
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዝርከቡ ውድባት ፖለቲካ ከምዝዘተየ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ዘተ፤ ኣመራርሓ ውድባት ባይቶና፣ወለዶ ትግራይ፣ትንሳኤ 70 እንደርታ፣ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ(ትዴፓ)፣ቃንጪ ሓቂ፣ዓረና ትግራይን ራያ ራዩማን ምስታፎም እውን ሓቢሩ።
እቲ ዘተ ዝኸፈቱ ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን መስፍን ኣርኣያ(ፕሮፌሰር) እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ዘሳለጦም ስራሕቲ ነቶም ተሳተፍቲ ኣብራህሪሆም።
ብዘይ ተሳትፎ ክልል ትግራይ እቲ ምኽክር ምዝዛም ስለዘይሕሰብ ክልል ትግራይ ኣብቲ ከይዲ ምኽክር ንምስታፍ በቲ ኮሚሽን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ ኣብቲ ክልልን ኣብ መላእ እታ ሃገርን ዝሳተፉ ውድባት ፖለቲካ ክልል ትግራይ እዚ ከይዲ ንክዕወት ኣብ ጎኒ እቲ ኮሚሽን ኮይኖም ደገፍ ንክገብሩ ሓቲቶም።
ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቶም ውድባት ፖለቲካ ብግደኦም፤ እቲ ኮሚሽን ኣብ ክልል ትግራይ ምኽክር ንክግበር ንዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ንኢዶም።
ፀገም ክልል ትግራይ ብዘተ ከምዝፍታሕ ከምዝኣምኑ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ብሕታዊ ኣማራፂ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ክልል ትግራይ ኣካል እቲ ምኽክር ክትኸውን ከምዘለዋ ብምሕባር፤ እቲ ኮሚሽን ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ኣጠናኺሩ ብምቕፃል እቲ ምኽክር ኣብቲ ክልል ክጅምሮ ከምዘለዎ ምግላፆም እውን እቲ ኮሚሽን ገሊፁ።