ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ማእኸላት ዕዳጋ ኣድላይ ፍርያታት ብዝተመጣጠነ ዋጋ እናቕረቡ እዮም

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 25/2018(ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ማእኸላት ዕዳጋ ኣድላይ ፍርያታት ኢንዱስትሪን ግብርናን ብዝተመጣጠነ ዋጋ እናቕረቡ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ብሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ጉጅለ ኣብታ ከተማ ተዘዋዊሩ ምንቅስቓስ ንግዲ ተዓዚቡ።



እቶም ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ እዋን በዓላት ሕፅረት ቀረብ መሰረታዊ ሸቐጣት ንከይፍጠር ምድላው እናተገበረ እዩ ፀኒሑ።
ስለዝኾነ ድማ ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 1 ሽሕን 600 ማእኸላት ዕዳጋ ቀዳምን ሰንበትን ንበዓል ልደት ኣድላይ ፍርያታት እናቕረቡ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ማእኸላት እውን ኣድላይ ፍርያታት ብተመጣጣኒ ዋጋ ንሸማቲ እናቕረቡ ከምዝርከቡ ኣብ ዑደቶም ምርግጋፆም ኣፍሊጦም።
ንበዓል ልደት ኣድላይ ፍርያታት ኢንዱስትሪ ምቕራቦም እውን ፀሪሖም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም