ቤተ መፅሓፍቲ ኣብርሆት ናብ ዝለዓለ ዲጂታል ምዕራፍ ዘሰጋግሩ ሰለስተ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ቴክኖሎጂ ዕላዊ ኮይኖም - ኢዜአ ትግርኛ
ቤተ መፅሓፍቲ ኣብርሆት ናብ ዝለዓለ ዲጂታል ምዕራፍ ዘሰጋግሩ ሰለስተ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ቴክኖሎጂ ዕላዊ ኮይኖም
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 25/2018(ኢዜኣ) ቤተ መፅሓፍቲ ኣብርሆት ናብ ዝለዓለ ዲጂታል ምዕራፍ ዘሰጋግሩ ሰለስተ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ቴክኖሎጂ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ተጀሚሮም።
እዚ ድማ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብት ቤተ መፅሓፍቲ ኣብርሆት ተረኺበን እቶም ፕሮጀክትታት ቴክኖሎጂ ብዕሊ ኣጀሚረን።
እተን ከንቲባ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ቤተ መፅሓፍቲ ኣብርሆት ኣብታ ከተማ ማእኸል ባህሊ ንባብን ምርምርን ኮይኑ ስራሕ ካብ ዝጅምር 4 ዓመታት ኣቑፂሩ።
ሎሚ መዓልቲ ኣብቲ ቤተ መፅሓፍቲ ብምርካብ እቲ ትካል ናብ ዝለዓለ ዲጂታል ምዕራፍ ዘሰጋግሩ ሰለስተ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ቴክኖሎጂ ብዕሊ ከምዘጀመራ እውን ኣረዲአን።
ኣብ ዓመት ብማእኸላይ ን1 ነጥቢ 8 ሚልዮን ኣንበብቲ ኣገልግሎት እናሃበ ዝርከብ እዚ ትካል ብዝበለፀ ንምምዕባል ዘኽእሉ ዝተዋደደ ስርዓት ምምሕዳር መፅሓፍቲ፣ ዘበናዊ ዲጂታል ቤተ መፅሓፍትን ዓለም ለኸ መድረኽ ምርምር(Research Portal)ን ብዕሊ ስራሕ ንክጅምሩ ከምዝተገበረ ገሊፀን።
እቶም ኣገልግሎታት ቤተ መፅሓፍቲ ኣብርሆት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ዝተገደበ ንከይኸውን ምችው ኩነታት ከምዝፈጥሩ ብምግላፅ፤ ዝኾነ ተምሃራይ ይኹን ተመራማሪ ኣብ ዝኾነ ከባቢ ኢትዮጵያ ኮይኑ መኣዲ ፍልጠት ኣብርሆት ምክፋል ንክኽእል ዝገብሩ እዮም ኢለን።
ብተወሳኺ እውን ሰነዳት ታሪኽ ብዲጂታል መንገዲ ተሓልዮም ንቀፃሊ ወለዶ ንክመሓላለፉ ዓብይ እጃም ከምዝህልዎም ሓቢረን።
እተን ከንቲባ፤ እቶም ፕሮጀክትታት ኣብ ምልማዕ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪበን።