ቤተ መፅሓፍቲ ኣብርሆት ዓብይ ማእኸል ፍልጠት ኮይኑ እናገልገለ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ቤተ መፅሓፍቲ ኣብርሆት ዓብይ ማእኸል ፍልጠት ኮይኑ እናገልገለ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 25/2018 (ኢዜኣ)ቤተ መፅሓፍቲ ኣብርሆት ዓብይ ማእኸል ፍልጠት ኮይኑ እናገልገለ ከምዝኾነ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ አዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ቤተ መፅሓፍቲ ኣብርሆት ኣወሃህባ ኣገልግሎቱ ዘማዕብሉ ዲጂታል ሲስተማት ኣጀሚሩ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ አዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣካቢት ቦርድ ቤተ መፅሓፍቲ ኣብርሆትን ቡዜና ኣልከድርን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ተረኺቦም።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ አዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ቤተ መፅሓፍቲ ኣብርሆት ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተሃኒፁ ንኣግልግሎት በቒዑ እዩ።
ቤተ መፅሓፍቲ ኣብርሆት ኣገልግሎት ምሃብ ካብ ዝጀመረሉ ጀሚሩ ማእኸል ፍልጠት ኮይኑ እናገልገለ ከምዝርከብ እውን ሓቢረን።
እቲ ቤተ መፅሓፍቲ ብፍልጠትን ክእለትን ዝማዕበለ ወለዶ ብምፍራይ ንጉዕዞ ብልፅግና ኢትዮጵያ መሰረት ዘንብር እዩ ኢለን።
ኣወሃህባ ኣገልግሎቱ ብሓደሽቲ ኣሰራርሓታት ብምምዕባል ፍልጠት ንዝደልዩ ኩሎም ባህሊ ንባብ ብምዕባይ ድልድል ስግግር ፍልጠት ብምዃን ኣገልግሎት እናሃበ ከምዝኾነ ኣብራህሪሀን።
ዲጂታል ስርዓታት ቤተ መፅሓፍቲ ኣብርሆት እውን ኣወሃህባ ኣገልግሎት ንባብ ብዝሓሸ ፅሬትን ዓቕምን ዘዕብዩ ከምዝኾኑ ተዛሪበን።
እቶም ዲጂታል ኣገልግሎታት ዝተዋደደ ምምሕዳር እቲ ቤተ መፅሓፍቲ ብምቅልጣፍ ተመራመርቲ ስራሕቲ መፅናዕቶምን ምርምሮምን ኣብ ዘለውዎ ኮይኖም ብቐሊሉ ምስላጥ ዘኽእሉ እዮም ኢለን።
ኣብ ቀፃሊ እውን ቤተ መፅሓፍቲ ኣብርሆት ብኣገልግሎት 24 ሰዓት ዝፈጠሮ ምችው ምህዳር ንባብ ክጥቀምሉ ከምዝግባእ መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።