ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መንግሥቲ ንልምዓት ብፍልጠት ንምምራሕ ንዝጀመሮ ስራሕ ተደማሪ ዓቕሚ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መንግሥቲ ንልምዓት ብፍልጠት ንምምራሕ ንዝጀመሮ ስራሕ ተደማሪ ዓቕሚ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 24/2018 (ኢዜኣ) ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መንግሥቲ ንልምዓት ብፍልጠት ንምምራሕ ንዝጀመሮ ስራሕ ተደማሪ ዓቕሚ እዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ን75 ዓመታት ንኢትዮጵያ ብርሃን ፍልጠት ዘብርሀ ገዛ ፍልጠት እዩ ኢሎም።
ብትግሃት ዝምራሕ ምርምር፣ብኽርክር ዝምዕባል ሓልዮት፣ብምኽንያት ዝምዕብል ፍልስፍና መለለዪ ቀለማት እቲ ዩኒቨርሲቲ ከምዝኾኑ እውን ሓቢሮም።
ፍልፍል ብርሃን ፍልጠትን መጋውሒ ፃውዒት ለውጥን ኢትዮጵያ ዝኾነ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ እውን ዝጀመርናዮ ልምዓት ብፍልጠት ንምምራሕ ተደማሪ ሓይሊ እዩ ክብሉ ፀሪሖም።
እቲ ዩኒቨርሰቲ ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ሕቶታት ልምዓትን ለውጥን ኢትዮጵያ ዝፈልፈልሉ፣ትንታግ መናእሰይ እቲ እዋን ቃልሲ ለውጢ ዝስምዕሉ ገዛ ታሪኽን ፍልጠትን ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ሎሚ መዓልቲ ክቡር ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ዝተገበረ ምኽክር እውን ትማልን ሎምን ከም እውን ሎምን ፅባሕን፤ ዘላቒ ብልፅግና ምስ ዕዉት ህንፀት ሃገረ መንግሥቲ ኣጠዓዒምካ ንምምራሕ ጉልበት ዝህብ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።
ኣብ ቀፅሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ተማሂርኩም ብፍልጠት ተኾስኵስኩምን ጋቦን ተኸዲንኩምን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዓለም ለኸን ትካላት ንተገልግሉ ሙሁራንን ሰብ ሞያን እንኳዕ ኣብፀሐኩም ክብል ይፎቱ ኢሎም።
ብተወሳኺ እውን ዝማዕበለት ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ንምህናፅ በርቲዕኹም እናተምሃርኩም ንዘለኹም ደለይቲ ጥበብ ተምሃሮ ኩሉኹም እንኳዕ ንክብረ በዓል መበል 75 ዓመት ምስረታ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብፀሐኩም ብምባል ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፎም።