ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዞባዊ ሰላምን ሓባራዊ ዕቤትን ዘረጋግፅ ስትራቴጂካዊ ጉዳይ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 24/2018(ኢዜኣ) ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዞባዊ ሰላምን ድሕንነትን ብምርግጋፅ ሓባራዊ ዕቤት ዘረጋግፅ ምኽንያታውን ስትራቴጂካውን ጉዳይ ከምዝኾነ ተመራመርቲ ታሪኽን ኣምባሳደራትን ተዛሪቦም።
ተመራማሪ ታሪኽን ባህልን ፕሮፌሰር ኣሕመድ ዘካሪያ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ታሪኽን ክብርን ኢትዮጵያ ምስ ቀይሕ ባሕርን ሩባ ኣባይን ዝተኣሳሰረ እዩ።
ክልቲኦም ኣካላት ማይ ንዕቤትን ስልጣነን ኢትዮጵያ ኣማራፂ ዘይኮነስ ብሄራዊ ረብሓ ናይ ምኽባርን ጉዳያት ህልውናን እዮም ኢሎም።
ኢትዮጵያ ቅድሚ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ወናኒት ታሪኻውን ተፈጥሮኣውን በሪ ባሕሪ ዝነበረት ሃገር ከምዝኾነት ብምዝኽኻር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝግበር ፃዕሪ ታሪኻዊ ስሕተት ብምእራም ናይ ባዕልኻ ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ ንምምላስ ዝግበር ትኽክለኛ ተግባር ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ምርግጋፅ ዋንነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንሓባራዊ ዕቤትን ምርግጋዕን ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ርኡይ እጃም ከምዘለዎ እውን ተዛሪቦም።
ዓሰብ ሕጋዊ፣ታሪኻውን ተፈጥሮኣውን በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ እዩ ዝበሉ እቶም ፕሮፌሰር፤ እቲ ዝተጀመረ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ ፀሪሖም።



ነበር ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ የመንን ኣባል ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ቶፊቅ ኣብዱላሂ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ኢትዮጵያ ካብ ናይ ባዕላ በሪ ባሕሪ ንክትርሕቕ ዝተገበረሉ ሽርሒ ዘጣዕስ ኣጋጣሚ እዩ ኢሎም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ነቲ ሕቶ ምላሽ ንምርካብ ዝሳለጥ ዘሎ ስራሕ ዲፕሎማሲ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ከምዝርከብ እውን ገሊፆም።
ምርግጋፅ ዋንነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንሓባራዊ ዕቤትን ምርግጋዕን ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ርኡይ እጃም ከምዝህልዎ ኣብራህሪሆም። 



እዚ ሕቶ ወለዶን ቀንዲ ጉዳይ ብሄራዊ ረብሓን ኣብ ሽቶኡ ንምብፃሕ ኩሉ ዜጋ ብሓባር ጠጠው ክብል ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም