ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ስራሕቲ ምክልኻልን ምርመራን ገበን ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ቴክኖሎጂ ብዘሰጋግር መልክዑ ተግባራዊ ክግበር እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 24/2018 (ኢዜኣ) ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ስራሕቲ ምክልኻልን ምርመራን ገበን ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ቴክኖሎጂ ብዘሰጋግር መልክዑ ተግባራዊ ከምዝግበር ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገብረሚካኤል ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ብዕሊ ኣብ ዘጀመርሉ እዋን፤ ተበፃሕነት ምስፋሕ፣ንዜጋት ማዕረ ዕድል ምፍጣር፣ኣብ መንጎ ትካላትን ዜጋታትን ዘሎ ምትእምማን ምጥንኻር ቁልፊ ትልምታት እቲ ስትራቴጂ ከምዝኾኑ ምግላፆም ዝዝከር እዩ።
ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገብረሚካኤል ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ንስራሕቲ ምክልኻልን ምርመራን ገበን ቴክኖሎጂ ብሰፊሑ እናተጠቐመ እዩ ዝርከብ።
ዝተፈላለዩ መተግበሪታት ብባዕላዊ ዓቕሚ ብምምዕባል ከምኡ እውን ምስ ኢንስቲትዩት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስን ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታን ብምትሕብባር ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ተዛሪቦም።
ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ኣብ ስራሕቲ ፖሊስ ለውጢ ንክምዝገብ ከምዘኽኣለ እውን ሓቢሮም።
ድሕሪ ሓደ ወርሒ ሰብ ኣልቦ ፖሊስ ጣብያ(Smart Police Station) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስራሕ ከምዝጅምር ፀሪሖም።
ፖሊስ ፌዴራል ኣብ 2030 ምርመራን ምክልኻልን ገበንን ውሽጣዊ ኣሰራርሓን ሙሉእ ብሙሉእ ብቴክኖሎጂ ንምምዕባል ብቆራፅነት እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ፖሊሳዊ ኣገልግሎታት ብዝለዓለ ብርኪ ዘጠናኽር እዩ ኢሎም።
ኣብ ቀፃሊ እውን 196 ሃገራት ዝሳተፋሉ ጉባኤ ዓለም ለኸ ፖሊስ(ኢንተርፖል) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ዝገለፁ እቶም ኮሚሽነር ጀነራል፤ እቲ ትካል ኣብ ኣፍሪካ ይኹን ብብርኪ ዓለም ተወዳዳርን ዝማዕበለን ከምዝኾነ ንምርኣይ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም