ሃገራዊ ምኽክር ኣፈላላያትና ብዝሰልጠነን ብሰላማውን መንገዲ ንምፍታሕ ዝረኸብናዮ ዘይትካእ ዕድል እዩ-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 24/2018(ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ሓቛፊ ዝኾነ ሃገራዊ ምክክር ኣፈላላያትና ብዝሰልጠነን ብሰላማውን መንገዲ ንምፍታሕ ዝረኸብናዮ ዘይትካእ ዕድል እዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ገሊፁ።
እቲ ኣገልግሎት ምኽክር ንሓባራዊ ኣሸናፊነት፣ምኽክር ንህንፀት ዘላቒ ሰላምን ጠንካራ ሃገረ ምንግስትን! ብዝብል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘበናት ፍልፍል ዘይምርድዳእ ከምኡ እውን ሕድ ሕዳዊ ጎንፂ ዝነበረ ድሑር ባህሊ ፖለቲካና ዝወለዶ ፀገም እዩ ኢሉ።
እዚ ፀገም ብመሰረታዊነት ንምፍታሕን ኣብ ሃገራዊ ጉዳያትን ብሄራዊ ኣጀንዳታትን ዝረኣዩ ኣፈላላያትን ዘይምርድዳኣትን ንምትዕራቕን ሃገራዊ ምኽክር ወሳኒ ጉዳይ ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ሓቛፊ ዝኾነ ሃገራዊ ምክክር ኣፈላላያትና ብዝሰልጠነን ብሰላማውን መንገዲ ንምፍታሕ ዝረኸብናዮ ዘይትካእ ዕድል እዩ ክብል እውን ኣፍሊጡ።
እዚ ዕድል ንኹሎም ኣካላት ዝተኸፈተ ንዝኾነ ወገን ዘይፈሊ ሓቛፊ ዕድል ምኽክር ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ዕድል ንምጥቃም ኩላትና ኢትዮጵያውያን ድሉዋት ክንኸውን ኣለና ክብል ኣረዲኡ። 
ኢትዮጵያውያን ንዘበናት ብዘተን ምኽክርን ፀገሞምን ዘይምርድዳኣቶምን ናይ ምፍታሕ ዝነኣድ ባህሊ ዝነበሮም ህዝብታት ከምዝኾኑ እቲ ኣገልግሎት ኣብ መግለፂኡ ገሊፁ።
ይኹን እምበር እዚ ፀጋ ብምኽንያት እናተጠናኸረ ብዝመፀ ድሑር ባህሊ ፖለቲካ ካብ እዋን ናብ እዋን እናሃሰሰ ብምምፅኡ ከፋፋሊ ነፀላ ተረኽ መግለፂና ክሳብ ምዃን በፂሑ እዩ ኢሉ።
ኢትዮጵያውያን ዝመፃናሉ ዕንክሊል ጎንፅን ኵናትን ይኣኽለና እንብለሉ እቲ ትኽክለኛ እዋን ሕዚ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ጎንፂ ንማንም ኣሸናፊ ዘይገብር ዕንክሊል ጥፍኣት ስለዝኾነ ከይዲ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ዕዉት ምግባር፣ፀገማት ብሰላማዊ መንገዲ ምፍታሕ፣ልዕልና ሕጊ ምርግጋፅ ንኹሎም ኢትዮጵያውያን እትኸውን ሃገር ንምህናፅን ንኹላትና ኣሸናፊ ንምግባርን የኽእለና ክብል ገሊፁ።
ስለዝኾነ እውን ኩሉ ኣካል ኣብቲ ምኽክር ብንቕሓት ንክሳተፍ ፃውዒት ኣመሓላሊፉ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም