ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ኣዋርሕ ሕዳርን ታሕሳስን 2018 ዓ/ም ዘሳለጥዎም ስራ

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ኣዋርሕ ሕዳርን ታሕሳስን 2018 ዓ/ም ቁልፊ ዝኾኑ ተኸታተልቲ ሃገራዊ፣ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ስራሕቲ ኣሳሊጦም እዮም። ኩሎም ስራሕቲ ተደላይነትን ፅልዋ ፈጣሪነትን ኢትዮጵያ ኣብ ፅኑዕ መሰረት ዘቐመጡ እዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ሪፐብሊክ ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ናብ ኢትዮጵያ ምምፅኦም ስዒቡ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዘካየድዎ ክልቲኣዊ ዘተን ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዝተበፅሐ ኩለ መዳያዊ ስምምዕን ዓብይ ትርጉም ተዋሂብዎ እዩ። ዘተ እቶም መራሕቲ ብዋናነት ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ፣ዲጂታላዜሽንን ቱሪዝምን ዘሎ ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ዝዓለመ እዩ። 
ብተወሳኺ እውን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ደገፍ ሓባራዊ ምምሕዳር ጉምሩኽ፣ምስረታ ማእኸል ዳታ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ከምኡ እውን ኣብ ዓለም ለኸ ምኽባር ሰላም ዘለዎም ቆራፅነት ዘርእን ዘጠናኽርን ፊርማ መረዳድኢ ስምምዕ ስራሕ ምኽባር ሰላም ውሕመ ተሳሊጡ እዩ። ከምኡ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ (ዶ/ር)ን ቀዳማይ ሚኒስትር ሞዲን ኣብ ፓርላማ ተረኺቦም ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ሞዲ ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ ኣብያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽንን መደረ ገይሮም እዮም።



ኣህጉራዊ ጉዳያት ብዝምልከት፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ዞባውን ኣፍሪካውን መሓዙት ብምርኻብ ዘትዮም እዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ዋና ፀሓፊት ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውሕመ ክላቨር ጋቴቴ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2027 ንኣፍሪካ ብኣግባቡ ዝውክል ኮፕ 32 ኣብ ምድላው ምስ ኢትዮጵያ ብሓባር ኣብ ዝሰርሕሎም መንገድታት ዘተ ኣካይዶም እዮም።
ብተወሳኺ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ፕሬዚዳንት ፌዴራላዊ ሪፐብሊክ ሶማሊያ ሀሰን ሼኽ መሐሙድን ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊልያም ሩቶን ንዑደት ስራሕ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝመፅሉ እዋን ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም እዮም።



ኣብ ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ሙሉእ ብሙሉእ ብዝበሃል ብርኪ ዝተሓሰበሉ ዕላማ ኣዐዊቱ ብምዝዛሙ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ኣጀሚሮም።
ኣብቲ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ዝተቐመጡ ሽቶታት ንክዕወቱ ክልተ መሰረታዊ ኣኽኣሊ ጉዳያት ኣለዉ። እቲ ሓደ ተበፃሕነት ኤሌክትሪክ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ተበፃሕነት ኤሌክትሪክ ምግቢ ዲጂታል ቴክኖሎጂ እዩ ኢልካ ምውሳድ ይከኣል እዩ ኢሎም።
እቲ ካልኣይ ድማ ምትእስሳር ኢንተርኔት እንትኸውን ብርክት ዝበላ ከተማታት ተረባሕቲ ምትእስሳር ኢንተርኔት ከምዝኾና ተዛሪቦም። ይኹን እምበር ኣብ ዝቕፅሉ 5 ዓመታት እዚ ምትእስሳር ኣብ ኩሎም ከባብታት ሙሉእ ብሙሉእ ተበፃሒ ክኸውን ከምዘለዎ እውን ፀሪሖም እዮም። ኣብ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ቁፅሪ ተጠቀምቲ ዓማዊል ሞባይል 128 ሚልዮን ዝበፅሕ እንትኸውን ሽፋን 5ጂ ኔትወርክ ድማ ኣብ 100 ከተማታት ክበፅሕ እዩ ኢሎም።
ብኻሊእ መዳይ መበል 20 መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ማእኸላይ ኢትዮጵያ ከተማ ሆሳዕና ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ኣብ ዝተረኸብሉ ብድሙቕ ተኸቢሩ እዩ።
ብሓፈሻ ኣብ ኣዋርሕ ሕዳርን ታሕሳስን ኣመራርሓ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘበናዊነት ብምቅልጣፍ፣ብብርኪ ኣህጉርን ዓለምን ድማ ስትራቴጂካዊ ዲፕሎማሲኣ ኣብ ምጥንኻር ዘለዋ ቆራፅነት ዘረጋገፀትሉ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ዲጂታል ሓቛፍነት ብምጥንኻር፣ዞባዊ ምሕዝነት ብምዕባይን ዓለም ለኸ ምትሕብባር ብምጥንኻርን ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ልዕልናኣ ኣፅኒዓ እያ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም