ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ዘትዮም
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 23/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ሎሚ መዓልቲ ብስልኪ ዘትዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምስ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን መልእኽቲ ሓዱሽ ዓመት ምልውዋጦም ሓቢሮም።
ርክብ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን እናተጠናኸረ ከምዝመፀ ብምሕባር፤ ኣብ ዘተኦም ኣብ እዋናውን ቀፃልን ክልቲኣዊ ምትሕብባር እተን ሃገራት ምዝታዮም ገሊፆም።
ክልቲአን ሃገራት ሓባራዊ ድሌት ኣብ ዝኾኑ ዞባውን ዓለም ለኻውም ጉዳያት ሓሳባት ቀፃልነት ብዘለዎ መልክዑ ንምልውዋጥ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ እውን ኣመላኺቶም።