ጠንካራ ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ንምፍጣር ስራሕቲ ምርምር ምጥንኻር ይግባእ-ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣባበ/ታሕሳስ 23/2018 (ኢዜኣ) ጠንካራ ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ንምፍጣር ዘበን ተሳጋሪ ስራሕቲ ምርምር ምስላጥ ከምዝግባእ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ሓቢሮም።
ምረቓን ምስረታ ማእኸልን ፖሊሲ ምርምርን ልምዓትን ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ተኻይዱ።



ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መፅናዕትን ምርምርን ኢኮኖሚያው፣ ማሕበራውን ወታደራውን ዓቕሚ ሓንቲ ሃገር ብምህናፅ ናይ ምፍፃም ክእለት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ልዑል እጃም ኣለዎ።
ካብ ትካል ሓሊፉ ንኩለ መዳያዊ ዕቤት ሃገርና ኢሉ እውን ንኣህጉርና እጃሞም ዘበርክቱ ስራሕቲ ምርምር ብምስራሕን ብምምዕባልን ሓደሽቲ ፈጠራታት ክነማዕብል ይግባእ ኢሎም።
ዓባይ ሃገርን ትካልን ምህናፅ ዝከኣል ኩሉ ግዜ ሓደሽቲ ሓሳባት ብምፍላቕ፣ ብምምዕባል፣ ብምክትታልን ብምምርማርን ከምዝኾነ እውን ኣብራህሪሆም።
ስለዝኾነ ድማ ፀገም ፈታሕትን ብሄራዊ ረብሓ ሃገርና ብዘላቕነት ዘረጋግፁን ጠንካራ ዓቕምታት ቴክኖሎጂ ብምፍጣር ዘበን ተሳጋሪ ስራሕቲ ምርምርን ልምዓትን ብትኹረት ምስራሕ ከምዝግባእ ኣረዲኦም።
ኣዛዚ ኮሌጅ ዋር ሰራዊት ምክልኻል ሜጄር ጄኔራል ቡልቲ ታደሰ ብግደኦም፤ እቲ ማእኸል ንዕዉትነት ጉዕዞ ትራንስፎርሜሽን እቲ ሰራዊት ዘይትካእ እጃም ከምዝህልዎ ሓቢሮም።
ብተወሳኺ እውን ንህንፀት ዘበናዊ ሰራዊት ከም እምነ ኩርናዕ ኮይኑ ከምዘገልግል ምግላፆም ኦንላይን ሚድያ ምክልኻል ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም